ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጸጥታ ብምፍራሱ ልዕሊ 7 ሽሕ እሱራት ሃዲሞም

RADIO ERENA – Thursday, 01 August 2024

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ብሰንኪ ዝተወልዐ ግጭት፣ ጸጥታ ብምፍራሱ፣ ልዕሊ 7 ሽሕ እሱራት ከምዝሃደሙ ተገሊጹ።

እዚ ዝተገለጸ፣ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ጉባኤ ምዃኑ ዘ ሪፖርተር፣ ብ31 ሓምለ ኣብ ዘቕረቦ ዜና ሓቢሩ።

ኣብቲ ክልል ምስ ምፍራስ ጸጥታ ተተሓሒዙ፣ ቅትለት፣ ዝምታ፣ ዓመጽ፣ ምጭዋይ ሰባትን ካልእ ኣስካሕካሒ ገበናንትን ሳዕሪሩ ከምዘሎ’ዩ እቲ ጉባኤ ኣመልኪቱ።

ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ኣጽዋር ኣብ ዘሻቕል ደረጃ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ፣ ኣውራ ጠንቂ ናይዚ ድማ ምጥሓስ እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ምዃኑ ወቒሱ።

እቲ ናይ ፕሪቶርያ ስምምዕ ስለዝተጣሕስ፣ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን፣ ይብጽሓኒ’ዩ ኣብ ዝብልኦ፣ ዘከራኽር ኣዋሳኒ ከባቢታት ዘይሕጋዊ ፍጻሜታትን ገበናትን ብብዝሒ ይርአ ከምዘሎ’ውን እቲ ጉባኤ ኣተሓሳሲቡ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0