ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ናይ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ

Radio Erena: Tuesday,08 August 2023

ሚሊሻታትን ዕጡቓት ኣምሓራ ፋኖን፣ ንሓያሎ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝቖጻጸርሉ ዘለዉ እዋን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ።

ኣብቲ ንኻልኣይ ሰሙን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ሚሊሻታት ኣምሓራን ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ወሪዱ ከምዘሎ ዝሕብራ ዘለዋ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ፣ ምንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ብዝልዓለ ክቕጽሎ ምዃኑ ኣሚተን።

ንሓያሎ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ሚሊሻታት ኣምሓራ፣ ብፍላይ ዕጡቓት ፋኖ፣ ናብ ወሰንቲ ከተማታት ናይቲ ክልል ጎንደርን ባህርዳርን ክግስግሱ ከምዝኽእሉ እተን መርበባት የመልክታ።

ብፍላይ ኣብ ከባቢ ጎደንር ጽዑቕ ኵናት ይካየድ ምህላዉ ኣልጀዚራ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ብምጥቃስ ገሊጻ።

እቶም ምሊሻታት፣ ኣብ ክልል ኣምሓራን ፈደራልን ዕልዋ መንግስቲ ንምክያድ ምኻኑ ዝጠቐሰ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ኢትዮጵያ፣ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ፣ ፈሪሱ ዘሎ ጸጥታ ናብ ንቡር ክሳብ ዝምለስ ናይ ህጹጽ እዋን ምእዋጅ ከመዘድለየ ኣስሚርሉ።

ኣብ ዝበዝሐ ክፋላት ክልል ኣምሓራ ኣገልግሎታት ኢንተርነትን ቴሌፎንን ክዕጾ እንከሉ፣ ካብ ናብን እታ ዘራኽብ መስመራት መጓዓዝያ ምድርን ኣየርን ‘ውን ደው ምባሉ ተገሊጹ።

ካብ 2020 ክሳብ 2022 ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵ ብምስላፍ ዝወፈረ ገዚፍ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ኣብ መንጎ እቲ መንግስቲን ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሩ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ዕጥቑ ክፈትሕ ንዝተዋህቦ ትእዛዝ ክነጽግ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ነዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ኣብ ናይ ብሄር ግጭታትን ኵናት ሰሜንን ተሸሚማ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ተዛማዲ ህድኣት ረኺባ እኳ እንተጸንሐት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ብዝተጎሃሃረ ግጭታት ዳግም ናብ ምፍራስ ጸጥታ ተሸሚማ ትርከብ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0