ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ልዕሊ 2 ሚልዮን ተማሃሮ ትምህርቶም ኣቛሪጾም

RADIO ERENA – Thursday, 05 September 2024

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 4 ሽሕ ኣብያተ ትምህርቲ ብምዕጻወን፣ ልዕሊ 2.6 ሚልዮን ተማሃሮ ትምህርቶም ከቛርጹ ከምዝተገደዱ መግለጺ ሚኒስትሪ ትምህርቲ እታ ሃገር ኣነጺሩ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ኣብዚ ሓድሽ ናይ ትምህርቲ ወቕቲ፣ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈታን ተማሃሮ ናብ ቤት ትምህርቶም ክምለሱን ተስፋ ከምዘሎ ኣሚቱ።

እብ ክልል ኣምሓራ ምስ ኵናትን ደቅርቂን ተተሓሒዙ፣ ልዕሊ 4 ሚልዮን ተማህሮ ስሩዕ ትምህርቶም ክከታተሉ ከምዘይክኣሉ ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑዩ።

ብሰንኪ ኵናት ንኣስታት ሓደ ዓመት ስራሕ ደው ኣቢሎም ዘለው ኣሽሓት መማህራን ክልል ኣምሓራ፣ ውሑስ ናብ ዝኾነ ከባቢታት ግዒዞም ሞያኦም ክቕጽሉ ከምዝተሓበሮም ዘ ሪፖርተር ንምንጭታት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብምጥቃስ ገሊጹ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኦሮምያን ካልኦትን ምስ ኵናትን ዋሕዲ ባጀት መንግስቲ ተተሓሒዙ፣ ካብ ኣዋርሕ ክሳብ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ደሞዞም ዘይተኸፍሉ መማህራን ከምዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ሓደ ሓደ ከባቢታትን ዓበይቲ ናይ ልምዓት መደባት የካይድ ከምዘሎ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ይገለጽ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ሓያሎ ክልላት ከም ትምህርቲን ጥዕናን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክሳብ ምቑራጽ በጺሑ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ስእሊ፣ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0