ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ከባቢታት ጎንደርን ባህርዳርን ኣልማማ ማእሰርቲ ይካየድ ኣሎ

RADIO ERENA – Tuesday, 08 October 2024

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ከባቢታት ጎንደርን ባህርዳንርን ኣልማማ ማእሰርቲ ይካየድ ከምዘሎ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ኮሚሽን፣ ብ06 ጥቅምቲ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ንኣባላት ተቓምቲ ሰልፍታት፣ ነጠፍቲ ሲቪካውያን ማሕበራት፣ ጋዜጠኛታት፣ መማህራንን ተራ ውልቀሰባትን፣ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ብኣልማማ እናኣሰሩ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ይዳጉንዎም ምህላዎም ወቒሱ።

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣትሒዞም፣ ነቲ ኣልማማ ማእሰርቲ የካይድዎ ምህላዎም ዩ እቲ ኮሚሽን ኣመልኪቱ።

እቲ ኣልማማ ማእስርቲ፣ ዘይሕጋውን ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ይካየድ ከምዘሎን ዝሓበረ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ እቶም እሱራት ዛጊት ዝተኸሰስሉ ጉዳይ ከምዘየለን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘቀረቡን ኣገንዚቡ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ዕጡቓት ሚሊሻ ፋኖን ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፣ ጎንደርን ባህርዳርን ንዝርከብኣን ሓያሎ ከተማታት ናይ ጸጥታ ሃጓፋት ፈጢሩለን ከምዘሎ ዩ ዝግለጽ።

ንሓይልታት ፋኖ ብምቁጽጻር፣ ንጸጥታ ክልል ኣምሓራ ከረጋግእ ዘይክኣለ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣልማማ ማእሰርቲ ሰለማውያን ሰባት ምክያዱ፣ ነቲ ዘሎ ኩነታት ዘጋድድ እንተዘይኮኑ ፍታሕ ከምዘየምጽእ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ የተሓሳስቡ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0