ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊትን ህዝብን ብዝተኻየደ ግጭት ሓያሎ ሰባት ግዳያት ሞትን ሞቝሰልትን ኮይኖም

Radio Erena: 15 June 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ ምዕራብ ጎጃም ኣብ ዝርከብ ሓያሎ ከባቢታት ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ህዝብን ብዝተኻየደ ግጭት ሓያሎ ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ዝተፈላለያ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ኣረጋጊጸን።

ብፍላይ ደምቦጫ ኣብ ዝተባህለ ከተማ፣ ህዝቢ ኣንጻር እቲ ሰራዊት ኣብ ዝተላዕለሉ ኣጋጣሚ ብዝተኸፍተ ቶዅሲ ናዕብን፣ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉን 18 ድማ ከምዝቖሰሉን፣ ንሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ብምውካስ ዶቸቬለ ገሊጹ።

እቲ ግጭት፣ ኣብ ከተማታት ፍኖተ ሰላምን ጂጋን’ውን ከምዝተኻየደ ዝሓበራ ካልኦት መርበባት ዜና ብወገነን፣ ዝወረደ ጉድኣት ብዝርዝር ኣይጠቐሳን።

ጠንቒ እቲ ብ11 ሰነ ዝተኻየደ ግጭት፣ ህዝቢ ናብተን ከተማታት ንዝኣተወ ሰራዊት ንምዕጋት ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ከምዝተላዕላ’ዩ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓይልታት ኣምሓራ ዕጥቖም ክፈትሑ ድሕሪ ዘሕለፎ ኣዋጅ፣ ኣብታ ክልል ተደጋጋሚ ተቓውሞን ግጭትን ክርአ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ግጭታት ነዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝሒሉ እኳ እንተሎ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲን ህዝቢ ክልል ኣምሓራን ዘይምትእምማንን ምትፍናንን እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ዝተፈላለዩ ወገናት ካብታ ሃገር የመልክቱ።

 

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0