ኢትዮጵያ፣ ኣብ መዓልቲ 150 ሽሕ ኩንታል ሰሜንቶ ዘፍሪ ግዙፍ ፋብሪካ ተመሪቝ

RADIO ERENA – Wednesday, 02 October 2024

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብቻይና ዝተሃንጸ፣ ኣብ መዓልቲ 150 ሽሕ ኩንታል ሰሜንቶ ዘፍሪ ግዙፍ ፋብሪካ ከምዝተመረቐ ኣገልግሎት ዜና ቻይና ሺንሁዋ ሓቢሩ።

እቲ ብ28 መስከረም ዝተመረቐ ፋብሪካ፣ ብናይ ኣስታት 600 ሚልዮን ዶላር ምወላ ከምዝተሃንጸዩ ተገሊጹ።

እቲ ብኩባንያታት ቻይናን ካልኦት መሻርኽቲን ብብርኪ ዝውነን ፋብሪካ ንበይኑ፣ ኣስታት ፍርቂ ናይቲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝርከባ ፋብሪካታት ሰሜንቶ ዘፍርኦ ብዝሒ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዎዩ እቲ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ።

ብዕብየቱ ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዝ ለሚ ፋብሪካ ሰሜንቶ፣ ንኣማኢት ዜጋታት እታ ሃገር ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር ትጽቢት ተነቢርሉ ኣሎ።

እቲ ፋብሪካ ኣብ ዝተመረቐሉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰብ ስልጣን እታ ሃገርን ካልኦት ዕዱማትን ተረኺቦም።

ኢትዮጵያ፣ ካብ ቻይና ብዝረኸበቶ ምወላን ልቓሕን፣ ዝተፈላለየ ፕሮጀክታት ኣብ ምስልሻልያ ትርከብ።

ኣስታት 40 ቢልዮን ዶላር ናይ ወጻኢ ዕዳ ከምዘለዋ ዝንገረላ ኢትዮጵያ፣ በቲ ሓደ ወገን ዕደኣ ክስረዘላ ትሓትት በቲ ካልእ ድማ ካብ ቻይናን ምዕራባውያ ትካላት ፊናንስፍን ልቓን ምወላን ተዋህልል ከምዘላ ትንቀፍ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0