ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ብዝቐጸለ ግጭት ኣማኢት ተቐቲሎም

RADIO ERENA – Monday, 30 September 2024

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ልዕሊ 260 ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፣ በቲ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮምያ፣ ደቡብ፣ ማእከላዊን ጋምቤላን ዝቐጸለ ግጭታት፣ ዝተቐትሉ ኣማኢት ሰባት፣ ህጻናት፣ ኣዴታት፣ ወጻእተኛታትን ከምዝርከብዎም ኣገንዚቡ።

ብሰንኪ እቲ ግጭት ኣሽሓት ሰባት ክቖስሉ እንከዉ፣ 10ታት ኣሽሓት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ቀንዲ መናሃርያ ግጭት ኮይኑ ኣብ ዘሎ ክልል ኣምሓራ ጥራይ፣ ልዕሊ 150ሰባት ከምዝተቐትሉዩ እቲ ኮሚሽን ጠቒሱ።

እንተኾነ፣ በቲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ግጭታት፣ ኣብዚ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ ዝተቐትሉ ብዝሒ ሰባት፣ ካብቲ በቲ ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ከምዝዛይድ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ የመልክቱ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0