ኢትዮጵያ፣ ኣሃዱ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኣቝማ

RADIO ERENA – Monday, 21 October 2024

ኢትዮጵያ፣ ኣሃዱ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ከምዘቖመት፣ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር፣ ብ20 ጥቅምቲ ሓቢሩ።

እዛ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር፣ ኣብ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ዝዋፈር ኣሃዱ ፖሊስ ዘቖመትሉ ምኽንያት፣ ኣብ ክሊ ማያት ንዝፍጸም ገበናት ንምክልኻል ምዃኑያ ገሊጻ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክሊ ማያት ንዝፍጸም ገበናት ንምግታእ፣ ብጀላቡ ዝዋፈር ኣሃዱ ፖሊስ ከምዘድልያዩ ጠቒሱ ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ እታ ሃገር፣ ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል።

ንሱ፣ ነዚ ዝጠቐሰ፣ ኣብ ሞያኦም ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣባላት ፖሊስ፣ ኣፍልጦን ስልማትን ንምሃብ ኣብ ዝተዳለወ መደብዩ።

ምስ ምዝዛም ዲጋ ተሃድሶ፣ መስሕብ በጻሕቲ ሃገር ንዝኾነ ከባቢታት እቲ ክሊ ማይ ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ንምክትታል መደብ ከምዘሎዩ እቲ ጀነራል ኣሚቱ።

ነቲ ኣሃዱ ንምቛም መሰረታዊ ምድላዋት ተኻይዱ ከምዘሎ ዝሓበረ ጀነራል ደመላሽ፣ ኣባላት ናይ ምስልጣን መስርሕ ኣብ ዝሓጸረ ከምዝጅምር ኣገንዚቡ።

ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፣ ምስ ናጽነት ኤርትራ፣ ኣብ 1991 ንዝተደምሰሰ ሓይሊ ባሕራ፣ ዳግም ተቝሞ ከምዘላያ ትገልጽ።

እታ ሃገር፣ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ናይ መረዳድኢ ሰነደ ድሕሪ ምኽታማ፣ ምስ ሶማል ኣብ ምስሕሓብ ክትኣቱ እንከላ፣ ኣብቲ ዞባ ድማ ሓድሽ ናይ ወጥሪ ሃዋሁ ተኸሲቱ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ስ እሊ፦ ኣዜኢ

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0