RADIO ERENA – Thursday, 12 December 2024
ኢትዮጵያ፣ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ንዘለዎ ሉኣላውነትን ንግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ከምእትድግፍ ኣረጋግጊጻ።
እታ ሃገር ነዚ ዘረጋገጸት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ቱርኪየ፣ ጣይብ ኤርዶዋን፣ ምስ ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብ ከተማ ኣንካራ ድሕሪ ዝገበርዎ ስሉላስዊ ዘተ‘ዩ።
ኣብቲ ብረቡዕ 11 ታሕሳስ ዝተኻየደ ዘተ፣ መንግስቲ ሶማል ብወገኑ፣ ኢትዮጵያ፣ ጸጥታ ሶማል ንምውሓስ ንዝኸፈለቶ መስዋእቲ ብምምስጋን፣ እወታዊ ተራ ከምዝነበራ ኣፍልጦ ሂቡ።
ኢትዮጵያ፣ ንዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት፣ ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ናይ መረዳድኢ ሰነደ ከይሰረዘተ፣ ምስታ ሃገር ቀጥታዊ ዘተ ከምዘይህሉ ክገልጽ ዝጸንሐ መንግስቲ ሶማል፣ ብሃንደበት ናብ ቱርኪየ ብምምራሕ ኣብ ስሉሳዊ ዘተ መራሕቲ ሃገራት ምስታፉ ብዙሕ ትንታነታት ይወሃቦ ኣሎ።
ኣብዚ ኣብ ቱርኪያ ዝተኻየደ ዘተ፣ ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ናይ መረዳድኢ ሰነደ ብወግዒ ምስራዛ ኣይተገልጸን።
ሶማል ብወገና፣ ብዛዕባ‘ቲ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሓቖፈ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሶማል ክወጽእን፣ ኣብ ዝቕጽል ዓመታት ኣብ ዝህሉ ተልእኾ ከይሳተፍን ክትገብሮ ዝጸንሐት ድፊኢት ደው ከምዘበለቶ ኣየነጸረትን።
ቱርኪየ፣ ንሶማልን ኢትዮጵያን ናብ መኣዲ ዘተ ንምቅርራብ ዘካየደቶ ፈተነ እዚ ንሳልሳይ እዋኑ ዝተኻየደ ኮይኑ፣ ዕዉት ምንባሩ‘ዩ ዝጥቀስ።
እንተኾነ፣ እዘ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ናብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝነበረ ዝምድና ክምለሳ ድየን ወይ ተወሳኺ ዝርርባትን ዘተን ከድልየን‘ዩ ገና ብሕጂ ዝርአ‘ዩ።
ኢትዮጵያ፣ ኣብ ባሕቲ ጥሪ 2024፣ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣብ ዝኸተመቶ መረዳድኢ ሰነድ፣ ን50 ዓመታት እትውንኖ 25 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ገማግም ባሕሪ ክህልዋ፣ ኣምሳያኡ ድማ ነታ ርእሰ ምምሕዳር ከም ሃገር ወግዓዊ ኣፍልጦ ክትህባ ዝብል‘ዩ።
እዚ ድማ፣ ንግዝኣታዊ ሓድነትን ሉኣላውነትን ሶማል ዝጥሕስን ዝጻረረን‘ዩ ብምባል፣ መንግስቲ ሶማል ክነጽጎ እንከሎ፣ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ክሳብ ምስጓግን ካልእ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያዊን ጸቕጢ ኣብ ምፍጣርን ተጸሚዱ ጸኒሑ።
እዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ፣ ነቲ ድሮ ኣብ ሰንኮፍ ዝርከብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዝበኣሰ ወጥርን ተወሳኺ ግጭታትን ከይሸሞ ይስጋእ።
=====================
COMMENTS