ኢትዮጵያ፣ ንሓደ ከባቢ ዝወከለ ኣባል ተቓዋሚ ሰልፊ ተቐቲሉ

Radio Erena: 17 February 2021

 

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮሞ፣ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ኣብ ዝርከብ ሓደ ከባቢ፣ ንሓደ ተቓዋሚ ሰልፊ ዝወከለ ፖለቲከኛ ከምዝተቐትለ ተሓቢሩ።

እቲ ኣባል ‘ማሕበር ዜጋታት ኢትዮጵያ’ ናይ ዝተባህለ ሰልፊ ዝኾነ፣ ግርማ ሞገስ ዝተባህለ ሰብ፣ ኣድዓ ናይ ዝተባህለ ከባቢ ኣቦ መንበር ምርጫ ምንባሩ፣ እቲ ሰልፊ ብመንገዲ ፌይስቡክ ኣብ ዘመሓላለፎ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ንሱ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ከምዝተቐትለ እንተዘይኮይኑ፣ ዝቐተሎ ኣካል ዛጊት ኣይተነጸረን።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ምስ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት፣ መዓልታዊ ዘጋጥም ቅትለት ሰባት ንቡር ተርእዮ’ዩ ኮይኑ ዘሎ።

ኣብታ ሃገር፣ ኣብ ዝመጽእ ኣርባዕተ ኣዋርሕ’ውን ምርጫ ክካየድ ምዃኑ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ናይ ብሄር ግጭታት ክብእስ ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር የጠንቅቑ።

=================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0