RADIO ERENA – Monday, 09 December 2024
ኢትዮጵያ፣ ናብታ ዝሓለፈ ሰሙን ምርጫ ብምክያዳ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ወትሃደራትን ኣጽዋርን ተዋፍር ምህላዋ ተገሊጹ።
ኢትዮጵያ፣ ብመንገዲ ጁባላንድ ንሉኣላውነት ሶማል ምግሃስ ትቕጽል ኣላ ዝበለ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፣ ወትሃደራዊ ተልእኾ ዘለወን ክልተ ነፈርቲ፣ ርእሰ ከተማ ናይታ ርእስ ምምሕዳር ናብ ዝኾነት ኪስማዮ ከምዝዓለባ ጠቒሱ።
እተን ነፈርቲ ወትሃድራዊ ኣጽዋር ከምዘራገፋ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ክጠቑስ እንከለዉ፣ ሓንቲ ካብኣተን ድማ ንምክትል ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር፣ መሓመድ ሰይድ ዓደን፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሒዛ ከምዝተመልሰት ምክትል ሚኒስተር ዜና ሶማል፣ ዓብዱራሕማን ኣል ዓደላ ኣመልኪቱ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብመንገዲ ዶብ ኣቢሉ፣ ናብ ዞባ ጌዶ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ከምዘዋፈረ‘ውን ሚኒስተር ኣል ዓዳላ ጠቒሱ።
ንሱ፣ ብ08 ታሕሳስ፣ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሶማል ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ዘሎ ተደጋጋሚ ተጻብኦታት ንምምካት ድሉውቲ ምዃኑ ‘ዩ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ‘ተን ናብ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ ዓሊበን ዝተባህላ ነፈርቲ ይኹን ምውፋር ሰራዊትን ኣጽዋርን ብዝምልከት ካብ ሶማል ንዝቐረበሉ ክሲ ምላሽ ኣይሃበሉን።
ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ኣብ ዘካየደቶ ምርጫ፣ ካብ 2012 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኣሕመድ ማዶበ ንሳልሳይ እዋኑ‘ዩ ደጊሙ ተዓዊቱ።
ካብ ዝመጽእ ዓመት፣ ብናይ ቀቢላ ውክልናታት ዝካየድ ዝነበረ ምርጫ ተሪፉ፣ ብቀጥታዊ ናይ ህዝቢ ድምጺ ክኸውን ዝደፍኣሉ ዘሎ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ነቲ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ ምርጫ ሕጋዊ ኣይኮነን ክብል‘ዩ ነጺግዎ።
ብሰንኪ ድማ ኣብ መንጎ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲን ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድን ምፍጣጥ ተኸሲቱ ኣሎ።
ድሕሪ‘ዚ ምፍጣጥ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ነፈርቲ ናብ ጁባላንድ ከይዓልባ ኣጊዱ ይርከብ።
====================
COMMENTS