ኢትዮጵያ፣ ተገፊፎም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ሰጕጓ

RADIO ERENA – Wednesday, 30 April 2025

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ በብእዋኑ እናገፈፈ ቀይድዎም ካብ ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ነቶም ልዕሊ 200 ኣብዚ ሳልስትዚ ሰጕጉዎም።

እቶም ብ29 ሚያዝያ፣ ብመንገዲ መስመር ቡሬዓሰብ ናብ ኤርትራ ዝተሰጉጉ ኤርትራውያን፣ ሕጋዊ መንቀሳቐሲ ዘይብሎምብዝብል ዝተገገፉ ምዃኖም ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሮም።

እንተኾነ ብዙሓት ካብኣቶም፣ ሕቶ ዑቕባ ዘቕረቡን ኣብ ትሕቲ ጽላል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገቡን ምዃኖም እቶም ኤርትራውያን ኣመልኪቶም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ክሰጉግ እዚ ንሳልስይ እዋኑዩ።

ኣብ 03 ታሕሳስ 2024፣ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ብመንገድ ቡሬ – ዓሰብ ናብ ኤርትራ ከምዝተሰጎጉ ኣይርሳዕን።

እቲ መንግስቲ፣ ‘ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ፣ ሸርፍን ሓዋላን ከምኡ ድማ ካልእ ንኢትዮጵያ አብ ዘስግእ ንጥፈታትን ይዋስኡ ኣለዉ’ ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ናይ ወጻኢ ዜጋታት ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ብተደጋጋሚዩ ዘጠንቅቕ።

እንተኾነ፣ እቲ ግፋን ናይ ናይ ምስጓግ ስጉምቲን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘነጻጸረዩ።

ሓያሎ ካብዞም ዝተገፈፉን ዝተሰጎጉን ኤርትራውያን፣ ኣቐዲሞም ብኵናት ኣብ ዝዓነዋ መዓስከራት ስደተኛታት እታ ሃገር ዝነበሩ ኮይኖም፣ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኣፍልጦ ዝተዋህቦምዮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን፣ ኣብ 2018፣ ዝመስረትዎ ኣብ ጽልኢ ህወሓት ዝተመርኮሰ ስልታዊ ዝምድና፣ ድሕሪ ምዝዛም ናይቲ ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ሕዳር 2022 ዝተኻየደ ኵናት ትግራይ፣ እናዛሕተለዩ ክመጽእ ተርእዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ድማ ክልቲኦም ወገናት፣ ብመንገዲ ዝምውልዎም ዩቱበራትን ካልእ ማሕበራዊ ሜድያታትን ንኵናት ዝቱኽቱኽ ዘመተን ፕሮፖጋንዳታትን ኣብ ምክያድ ተጸሚዶም ይርከቡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0