RADIO ERENA – Monday, 24 Marc 2025
ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብሰንኪ ኣጋጥሙ ዘሎ ምፍራስ ጸጥታ፣ ልዕሊ.7.2 ሚልዮን ተማሃሮ ናብ ትምህርቶም ክምለሱ ከምዘይክኣሉ፣ ሚኒስተር ትምህርቲ እታ ሃገር ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ገሊጹ።
ሚኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ እቲ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ግጭታት፣ ኣብ ቆልዑን መንእሰያትን ናይ ኣእምሮ ነውጺ ይፈጥርን መጻኢ ዕድላቶም የሰናኽልን ብምህላዉ፣ ቅልጡፍ መትሒ ክናደየሉ ተማሕጺኑ።
ኣምሓዳሪ ክልል ኣምሓራ፣ ኣቶ ኣረጋ ከበደ ብወገኑ፣ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ኣብ ትምህርቲ ከቢድ ዕንወት ከምዘውረደ ብምዝኽኻር፣ ናብ ስሩዕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምምላስል፣ ዝምልከቶም ኩሎም ኣካላት ክረባረቡ ተላብዩ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራይ፣ ኣብዚ ዓመተ ትምህርቲ ኣስታት 7 ሚልዮን ተማሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምምላሶም ተመዲቡ እኳ እንተነበረ፣ ዝተመዝገቡ ግና 2.8 ሚልዮን ተማሃሮ ጥራይ ምዃኖም እቲ ኣምሓዳሪ ኣፍሊጡ።
ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
====================
COMMENTS