ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ግጭት ልዕሊ 5500 ኣብያትትምህርቲ ተዓጽየን

RADIO ERENA – Monday, 04 November 2024

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት፣ ብጠቕላላ ልዕሊ 5568 ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተዓጸዋ፣ ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ብምጥቃስ ዘ ሪፖርተር ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ክልል ሓምራ 4,178፣ ኣብ ክልል ትግራይ 648፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ 420፣ ኣብ ክልል ሶማል 195 ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ 50፣ ኣብ ክልል ጋምቤላ 40፣ ኣብ ክልል ዓፈር 26፣ ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ድማ 8 ኣብያተ ትምህርቲየን ተዓጽየን ዘለዋ።

ምዕጻው ኣሽሓት ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንሚልዮናት ተማሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዝእለዩ ጌሩ ኣሎ።

ኣብ ርእሲዚ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ልዕሊ 85 ሽሕ ከብትን ጤለበ ጊዕን ብሰንኪ ደርቂ ከምዝሞታ፣ ንናይ ዝሓለፈ ሰሙን ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ብምጥቃስ እቲ መርበብ ዜና ኣቃሊሑ።

ብዘይካዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሃገር ልዕሊ 8 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይ ረዲኤት ኮይኑ ምህላዉ እቲ ኮሚሽን ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ከምዘለዉ ንጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ብምትቓስ ዘ ሪፖርተር ዘቃልሐ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልምዓታዊ መደባትን ቁጠባዊ ዕብየትን ዓበይቲ ዓወታት ከምዘመዝገበት ድሕሪ ምግላጹዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0