ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ግጭትን ባህርያዊ ሓደጋታትን ተመዛቢሉ ዝጸንሐ ህዝቢ ናብ ዓድታቱ ይምለስ

RADIO ERENA – Wednesday, 17 July 2024

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ዘውጽኦ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ናብ ዓድታቶም ተመሊሶም።

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኣስታት 4.4 ሚልዮን ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ኮይኖም ከምዘለዉ ይሕብር።

ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ ሓበሬታ65% ተመዛበልቲ ብሰንኪ ኲናትን ግጭትን ዝስዓበ ክኸውን እንከሎ ብድርቂ 18% ምዃኑ ተገሊጹ።

መስርሕ ምምላስ ተመዛበልቲ ካብ ክልል ናብ ክልል ዝተፈላለየ መስርሓት ዘለዎ ኮይኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዘቐመጦ ቁጽሪ መሰረት ኣብ ክልል ትግራይ 967,257 ሰባት፣ ኦሮምያ 137,230 ፣ ክልል ኣምሓራ ድማ 951,931 ተመለስቲ መዝጊቡ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝለዓለ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ዘለዎ ዞባ፣ ክልል ሶማል ኮይኑ ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ተመዛበልቲ ይርከብዎ።

ክልላት ኦሮምያን ትግራይን ነፍሲ ወከፈን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተመዛበልቲ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ድማ 436,805 ተመዛበልቲ ኣለዉ።

ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት UNHCR ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብደረጃ ዓለም ብኲናት፣ ስደት፣ ዓመጽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም 2023 ልዕሊ 114 ሚልዮን ከም ዝበጽሐ ገሊጹ ኔሩ ።

ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት 2023 ቀንዲ መንቀሊታት ኣብ ዩክሬን፣ ሱዳን፣ ሚያንማርን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዝተፈጥሩ ግጭታት፤ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሰብኣዊ ቅልውላው፤ ከምኡ’ውን ኣብ ሶማልያ ዘጋጠመ ድርቂ፡ ውሕጅን ዘይውሕስነትን ድምር ምዃኑ UNHCR ገሊጹ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0