RADIO ERENA – Thursday, 20 March 2025
ኢትዮጵያ፣ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብ ክትብል ምስ ኤርትራ ናብ ግጭት ክትኣቱ ድልየት ከምዘይብላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ብሓሙስ 20 መጋቢት፣ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ናይ ኢትዮጵያ ድልየት፣ ኣብ እንካን – ሃባን ዝተመርኮሰን ህዝብታት ዝጥቀምሉን ፖሊስ ምኽታልን ምዃኑ ብምምልካት፣ ህዝቢ ኤርትራ ዘድልዮ ድማ ልምዓት ‘ዩ ኢሉ።
ንሱ ብተወሳኺ፣ ሓቢርና ክንሰርሕን ሓቢራና ክንለምዕን ደኣ‘ምበር፣ ሓደ ነቲ ሓደ ክወግእ ድሌት ኢትዮጵያ ከምዘይኮነ ኣስሚርሉ።
ዝኾነት ሃገር ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወራር ክትፍጽምን ካብ ዝጀመርናዮ ሕልሚ ድማ ደው ከተብለናን ትኽእል‘ያ ዝብል ስግኣት የብልናን ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፣ እኹል ምድላው ስለዝገበርና ደው ዘብለና የለን ክብል‘ዩ መጕቱ።
እኹል ምድልዋት ዝገበርና፣ ኵናት ንምግታእ‘ዩ ክብል ኣገንዚቡ።
ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ምልዓል ነውሪ ዝኾነሉ እዋን ከምዘብቅዐ ዝጠቐሰ ኣብይ፣ ኣብ ዓለም ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ዓባይ እትብሃል ሃገር ከምዘይላ ብምዝክኻር፣ ነዚ ንምትግባር ብናይ እንካን–ሃባን ፖሊሲ ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢሩ።
ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዝተጀመረ መስርሕ፣ ብሰለማዊ መንገዲን ብምርድዳእን ክቕጽል ምዃኑ ‘ዩ ኣብይ ኣሕመድ ኣመልኪቱ።
ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ኣጀንዳ ንምፍጣር ሕጂ ዝመጸ ዘይኮነ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝያዳ ዝተተኮረሉን ኣብታ መደመር እትብል መጽሓፉ ዘቐመጦን ምዃኑ ኣብይ ኣብ መወዳእታ ደምዲሙ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን ምስ ኤርትራ ናብ ግጭት ክኣትዉ ድሌት ከምዘይብሎም ዝገልጽ ዘሎ፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ‘ቲ ሚኒስተር ጉዳያት ኤርትራ፣ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ኣብ ኤርትራ ንዝርከቡ ኣስታት 20 ዲፕሎማሰኛታት ወጻኢ ሃገራት ዓዲሙ፣ ኢትዮጵያ እተካይዶ ዘላ ናይ ኵናት ዘመተ ደው ከተብል ማሕበረ ሰብ ዓለም ዓገብ ክብላ ጻውዒት ምቕራቡ‘ዩ።
ስእሊ፦ ካብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ
=========================
COMMENTS