Radio Erena: 20 October 2019
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጎንደር ብዝተኻየደ ንሳምንታት ዝቐጸለ ዓሌታዊ ግጭት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው፣ መንግስቲ’ቲ ክልል ፈደራላዊ መንግስቲ ሰራዊቱ ክልእኽ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ሓለፍቲ ጸጥታ እቲ ዞባ ድሕሪ ዘካየዱዎ ኣኼባ ኣብ ዘውጽኡዎ ጻውዒት፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ሰራዊት ብምልኣኽ ነቲ ዞባ ክቆጻጸርን ኩሉ ዓይነት ስጉምቲ ብምውሳድ ጸጥታ ከውሕስን ምሉእ ሓላፍነት ዝህብ እዩ።
ብመሰረት’ቲ 11 ነጥብታት ዝሓቖፈ ጻውዒት፣ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ምዕራብ ጎንደር፣ ከተማን፣ ምምሕዳራት ቅማንትን ክዕስክር እዩ።
ኣብቲ ዞባ፣ ዕጡቓት ሓይልታት ኮነ ብጉጅለ ዝንቀሳቐሱ ውልቀ ሰባት ካብ ሰራዊት መንግስቲ ግቡእ ምላሽ ክወሃቦም ስለዝኾነ ምንቅስቓሳቶም ደው ከብሉ እቲ መግለጺ የተሓሳስብ።
ኣብ ምምሕዳራዊ መንግስቲ ጎንደር ዓሌት ዝመንቀሊኡ ግጭት ብምፍጣሩ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ፣ ኣማኢት ኣሽሓት ከኣ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም እዮም። ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ግጭት ዝሃደአ እኳ እንተመሰለ፣ ገና ምሉእ ብምሉእ ከምዘይዓረፈ ጸብጻባት ዜና ካብቲ ከባቢ የመልክቱ።