ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 85% ኣብያት ትምህርቲ ትሕቲ ብቕዓት ከምዘለዋ ተገሊጹ

RADIO ERENA – Thursday, 17 April 2025

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ግጭትን ካልእ ምኽንያታትን ልዕሊ 5 ሽሕ 300 ኣብያተ ትምህርቲ ስሩዕ ኣገልግሎት ክህባ ከምዘይክኣላ ሚኒስተር ትምህርቲ እታ ሃገር፣ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር፣ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን26.7 ሚልዮን ተማህሮ ኣብ ስሩዕ ናይ መኣዲ ትምህርቲ ክርከቡ እንከለዉ፣ 7.2 ሚልዮን ተማሃሮ ግና ብሰንኪ ኵናትን ካልእ ምኽንያታትን ካብ መኣዲ ተኣልዮም ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።

ስርዓት ትምህርቲ ኢትዮጵያ እናንቆልቀለ ይመጽእ ከምዘሎ ዘመልከቱ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ቅልጡፍ ቆላሕታ ክገብረሉ ተላብዮም።

ሓደ ካብ ኣውራ ጠንቅታት ውድቀት ስርዓተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ፣ መነባብሮ መማህራን ክመሓየሽን መሳልል ደሞዝ ክድይብን ዘይምኽኣሉ ምዃኑ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ዝኾነ፣ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ገነነ ገደቡ ጠቒሱ።

ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት 356 ዶላር ዝነበረ ደሞዝ ናይ ሓደ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኣብዚ እዋንዚ ናብ 99 ዶላር ከምዝወደረ፣ እቲ ኣባል ባይቶ ከምዘመልከት ዘ ሪፖርተር ኣብ ጽብጻቡ ኣስፊሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ባጀትን ናይ ጸጥታ ኩነታትን፣ ትግራይ ኣብ ዝርከቦ ሓያሎ ክልላት ዘለዉ መማህራን ንኣዋርሕ ደሞዞም ብስሩዕ ክኽፈሉ ከምዘይክኣሉዩ ዝግለጽ።

ብሰንኪ ድማ ኣሽሓት መማርሃን ሞያኦም ጠንጢኖም ናብ ካልእ ንጥፈታት ይዋፈሩ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ምስ ናህሪ መጠን ሸርፊ ተኣሳሲሩ፣ ርኡይ ዝቕባበን ምንቁልቋል ቁጠባን ኣጋጢሙ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0