ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተኻየደ ድብያ፡ ኣማሓዳን ኣዛዚ ፖሊስን ተቐቲሎም

RADIO ERENA – Friday, 14 March 2025

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ደቡብ ወሎ ኣብ እትርከብ፡ ወረባቦ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ብዘካየድዎ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ፡ ኣማሓዳሪን ኣዛዚ ፖሊስን ናይቲ ከባቢ ተቐቲሎም።

እቶም ዕጡቓት፡ ነቲ ኣማሓዳሪን ኣዛዚ ፖሊስን ጽዒና እትጓዓዝ ንዝነበረት መኪና፡ ብሰሉስ 11 መጋቢት፡ ኣድብዮም ብዝፈነዉላ መጥቃዕቲ፡ ምስ መራሒ ታ መኪና፡ ሰለስቲኦም ከምዝተቐትሉ ጸብጻብ ዘ ሪፖርተር ጠቒሱ።

ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሚሊሻ ፋኖን ሰራዊት መንግስቲን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ሓደ ካብቲ ውሕስነት ጸጥታ ዘይብሉ ክልላት ኢትዮጵያዩ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0