ኢትዮጵያ፡ መሬት ብምህማሙ ልዕሊ 229 ሰባት ሞይቶም

RADIO ERENA – Wednesday, 24 July 2024

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ጎፋ ኣብ ዝተባህለ ዞባ፡ ብቀዳመ ሰንበት ብዘጋጠመ ምህማም መሬት፤ ብውሕዱ 229 ሰባት ከምዝሞቱ መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ።

በቲ ምህማም መሬታ ዝተደፍኑ 10 ሰባት ድሒኖም ከምዘለዉ ምምሕዳር ቲ ዞባ ጠቒሱ።

ይኹንምበር፤ ተደፊኖም ዘለዉ ሰባት ዛጊት ክንጸር ብዘይምኽኣሉ፡ በቲ ባህርያዊ ሓደጋ ናይ ዝሞቱ ብዝሒ ክውስኽ ከምዝኽእል መርበባት ዜና ታ ሃገር ኣሚተን።

ጎፋ፡ 320 ኪሎ ሜተር ንደቡባዊ ምዕራብ ካብ ኣዲስ ኣበባ ርሒቁ ዝርከብ፡ ኣጻድፍ ዝበዝሖ ከባቢዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0