ኢትዮጵያን ሶማልን ዝምድናአን ናብ ንቡር ክምለሳ ተሰማሚዐን፣ ምስ ሶማሊላንድ ዝተኸተመ ሰነደ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ግና ሕጂ’ውን ኣይተሰረዘን

RADIO ERENA – Monday, 13 January 2025

ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ብመንጎኝነት ቱርኪ ዝጀመርኦ ርክብ፣ ሓደ ደረጃ ንቕድሚት ሰጉሙ፣ መራሕቲ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም።

ብድሙቕ ኣቐባብላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝበጽሐ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ድሕሪ ዘካየድዎ ምይይጥ፣ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ክልትኤን ሃገራት ናብ ዝነበሮ ክምለስ ከምዝተሰማምዑ፣ ቤት ጽሕፈቱ፣ ቪላ ሶማልያ ሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣህመድ፣ ኣብ ጸጥታን ዞባዊ ርግኣትን ዝኣመሰለ ዛዕባታት ብሓባር ክሰርሑ ከምዝተሰማምዑ፣ ኣብ ዘውጽኦ ሓባራዊ መግለጺ ጠቒሱ።

ኢትዮጵያ፣ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ መረዳድኢ ሰነደ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ከይሰረዘት፣ ምስታ ሃገር ዝኾነ ርክብን ዘተን ከምዘይህሉ ክገልጽ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሶማል፣ ዝሓለአፍ ወርሂ፣ ብመንጎኘት ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን፣ ኣብ ኣንካራ ድሕሪ ዝገበርዎ ርክብ፣ ኣብ ሰለስተ ቅንኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ዑደት ብምክያድዩ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ቀጥታዊ ርክብን ዘተን ኣካይዱ።

ክልቲኦም መራሕቲ፣ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ናብ ንቡር ክምለስን ኣብ ጸጥታን ርግኣትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓባር ክሰርሑን ከምዝተሰማምዑ ዝጘለጽ ሓባራዊ መግለጺ እኳ እንተዘርግሑ፣ ንሓደ ዓመት ከሰሓሕባኦም ዝጸንሐ ጉዳይ እቲ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተኸተመ ሰነድ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ግና ኣይሓበሩን።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ ምስ ርእሰ ምምጝዳር ሶማሊላንድ ኣብ ዝኸተመቶ ስምምዕ፣ ን50 ዓመታት ዝጸንሐ ኣስታት 25 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ክትውንን፣ ኣምሳያኡ ድማ ነታ ርእሰ ምምሕዳር ከም ሃገር ወግዓዊ ኣፍልጦ ክትህባ ዝብልዩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ድማ እቲ ሰነድ፣ ንሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ዝግህስዩ ብምባል፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ዝምድና በቲኹን፣ ኣብ ሃገሩ ዝነበሩ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሓቝፉ ኣሽሓት ወትሃደራት ኢትዮጵያ ክወጹ ሓቲቱንዩ።

ሓድሽ ኣብ ዝቐውም ዘሎ ናብ ሶማል ዝዋፈር ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዘይህሉ ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ፣ ድሕሪዚ ክልቲኦም መራሕቲ ዘካየድዎ ዘተ ግና፣ ትግባረኡ ኣጠራጣሪ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፣ ኢትዮጵያ፣ እታ ዝበዝሑ ወትሃደራት ናብ ሶማል ዘዋፈረት ሃገርያ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0