ኢራን: ንተቓወምቲ የመን ኣብ ኤርትራ’ያ ተሰልጥኖም ክትብል ጋዜጣ ኣልወጠን ናይ ስዑዲ ዓረብ ገሊጻ

Radio Erena: – December 17, 2013

 

ኢራን ኣብ የመን ንዝረከቡ ዕጡቓት ሁቲ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኤርትራ ከምእተሰልጥኖ መርትዖ ተረኺቡ ክትብል ኣብ ኣብ ስዑዲ ዓረብ እትሕተም ጋዜጣ ኣልወጠን ኣብ ናይ ትናሊ ሕታማ ኣስፊራ።

እታ ጋዜጣ ኣስፊራቶ ኣብ ዘላ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ተቓወምቲ የመን ዝስልጥንሉ ሰለስተ ሚስጢራዊ ነቑጣታት ተለልዩ ምህላዉ፣ ተጠቒሱ ኣሎ።

 

ኢራን ኣብ ኤርትራ ወትሃደራዊ መዓስከር ንኽትከፍት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምዝርራብ ከምዝነበረት፣ ኣብ ቱርኪ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተተ ወግዓዊ ቱርጅማን ፕረዚደንት ማሕሙድ ኣሕመዲነጃድ ነበር ምጥቓሱ ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ የመን’ውን፣ እቶም ኣብ ደቡባዊ እታ ሃገር ዝንቐሳቐሱ ኣመንቲ ሽዓ ዝኾኑ ተቓወምቲ ሁቲ፣ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ድጋፍ ከምዝረኽቡ ብተደጋጋሚ እዋን ክወቕስ ጸኒሑ’ዩ።

የመን ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ብጉዳይ ምስልጣንንም ምድጋፍን ተቓወምቲ ሁቲ ንላዕሊ፣ ንምንግስቲ ኤርትራ የመናውያን ገፍፈቲ ዓሳ ብምሓዙ’ያ ትወቕሶ።

እንተኾነ፣ እዚ ሕጂ ብጋዜጣ ኣል ወተን ናይ ስዑዲ ዓረብ ተዘርጊሑ ዘሎ ሓበሬታ’ውን ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን ንዘሎ ተኣፋፊ ኩነታት ተወሳኺ ስኽፍታ ክፈጥረሉ ይክእል’ዩ።
=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0