ኢራንን ሱዳንን ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ኣምባሳደራት ተለዋዊጠን

RADIO ERENA – Tuesday , 23 July 2024

ኢራንን ሱዳንን ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ኣምባሳደራት ከም ዝተለዋወጣ ተገሊጹ።

ሱዳን ኣብ 2016 ኣብ ቴህራን ኢራን ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ምስ በጽሖ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና ኣቋሪጻቶ ከም ዝጸንሐት ይፍለጥ።

ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ትማሊ ሰንበት ኣብ ፖርት ሱዳን ሓድሽ ኣምባሳደር ኢራን ሓሰን ሻህ ሑሴኒ ተቐቢሉ ንዓብደል ዓዚዝ ሓሰን ሳልሕ ኣምባሳደር ሱዳን ናብ ቴህራን ብምልኣኽ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ከም ዝተመሓየሸ ተገሊጹ።

ኢራናውያን ተኸተልቲ እምነት ሺዓ ኣብ ከተማ ቴህራን ንዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ምጥቕዖም፣ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝሕቱል ዝምድና ብኡ ንብኡ ክትበትኽ እንከላ፣ ኣባላት እቲ ንሳ ዘቖመቶ ኪዳን ዝኾና ሱዳን፣ ባሕሬንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ’ውን ኣሰር ስዑዲ ዓረብ ብምስዓብ ብቕጽበት ንኣምባሳደራት ኢራን ካብ ሃገራተን ሰጕገን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ብቀዳም 20 ሓምለ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣውላላ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ሱዳናውያን ስደተኛታት ምሟቶም ትሽዓተ ድማ ከም ዝቖሰሉ ተገሊጹ።

ልዕሊ 2,300 ደቂንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ልዕሊ 6 ሽሕ ሱዳናውያን ስደተኛታት ፣ ኣብ ውሽጢ ጫካታት ኣውላላ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ይርከቡ።

ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ናይዚ ፍጻመ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ፍጻመ፡ ሓደ ህጻን ዝርከብዎም ሓያሎ ስደተኛታት ቆሲሎም ክልተ ኢትዮጵያውያን ፖሊስ ድማ ሞይቶም ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0