ኡጋንዳ፣ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ኣብ ንኣሽቱ ንጥፈታት ንግዲ ተዋፊሮም ጸኒሖም ዝተባህሉ 150 ኤርትራውያን ዜጋታት ተኣሲሮም

RADIO ERENA – Wednesday, 17 July 2024

ኣብ ኡጋንዳ፣ ከተማ ካምፓላ፣ ካንሳንጋ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ክነጥፉ ጸኒሖም ዝተባህሉ፣ ልዕሊ 150 ኤርትራውያን ዜጋታት ከምዝተኣስሩ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ፣ ሳይሞን መንደዪ፣ ብ15 ሓምለ፣ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ኡጋንዳ ዝነብሩ ወጻእተኛታት፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ፣ ኣብ ንኣሽቱ ንግዳዊ ንጥፈታት ከምዝተዋፈሩ ንዝበጽሖም ሓበሬታ፣ ክምርምርዎን ከጻርይዎን ድሕሪ ምጽናሕ ነቲ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ኣነጺሩ።

ኣብ ከባቢታት ካንሳንጋ፡ ጋባን ሙኞኞን ብኣማኢት ዝቊጸሩ ዘይሕጋውያን ወጻእተኛታት፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ንግዲ ተዋፊሮም ምህላዎም ንፈልጥ ኢና ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል፣ ተጀሚሩ ዘሎ ምእሳር ክቕጽል ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

መብዛሕቶም እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ፣ ንኣሽቱ ዱኳናት ብምኽፋት፣ ኣብ ከም እንዳ መሻጢት፣ ቀማቃማይ፣ መሸጣ መመላኽዒ ወይ ሜክኣፕ፣ ሓራጅ፣ እንዳ ኢንተርነትን ካልእን ክሰርሑ ዝጸንሑ’ዮም።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብቲ ከባቢታት ዝርከባ ዩኒቨርስታትን ኣብያተ ትምህርትን፣ ኣብ ኣመንዝራነት ዝተዋፈሩ ወጻአተኛታት ከምዘለዉን፡ ገለ ካብኦም ስደተኛታት ምዃኖምን ‘ዩ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኡጋንዳ፣ ሳይሞን መንደዪ ጠቒሱ።

ኣብ ኡጋንዳ፣ ልዕሊ 25 ሽሕ ዝግመቱ ኤርትራውያን ክነብሩ እንከለዉ፣ መብዛሕቶም ናብ ሳልሰይቲ ሃገራት ንምስጋር ዝጽበዩ እኳ እንተኾኑ፣ መብዛሕቶም ኣብ ዓበይቲን ንኣሽትን ንግዲን ተዋፊሮም ‘ዮም ህይወቶም ዝመርሑ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0