ኡጋንዳ፣ ምስ ዳዕሽ ምትእስሳር ከምዘዎም ዝተገልጹ ዕጡቓት ልዕሊ 42 ሰባት ቀቲሎም

Radio Erena: Wednesday 21 June 2023

ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ዝመደበሮም ዝተባህሉ ዕጡቓት፣ ኣብ ምዕራባዊ ኡጋንዳ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 42 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ብ16 ሰነ ከምዝተኻየደ ዝተሓበረ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ምዕራብ ኡጋንዳ፣ ምፖንዶወ ኣብ ዝትባህለት ቁሸት ንእትርከብ ኣሕዳሪት ቤት ትምህርቲ ዒላማ ዝገበረ ኮይኑ፣ 37 ካብቶም ግዳያት ተማሃሮ’ዮም።

ኪዳን ደሞክራስያውያን ሓይልታት ዝተሰምዩ ዕጡቓት ኮንጎ፣ ናብ መደቀሲ ተማህሮ ብምእታው፣ ብጠበናጁ፣ ብጎዞሞ፣ ፋስን ባሮዕን ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ’ዮም ነቲ ኣሰቃቒ ቅትለታት ፈጺሞሞ።

ድሕሪ’ቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ሓያሎ ተማሃሮ’ውን ደሃዮም ጠፊኡ ብምህላዉ፣ ቁጽሪ ግዳያት ክውስኽ ከምዝኽእል ነበርቲ እታ ቁሸት ስግኣቶም ይገልጹ።

ኣብ ኡጋንዳ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2010፣ ኣብ ባራትን መዘናግዒ ማእከላትን ዋንጫ ዓለም ዝዕዘቡ ዝነበሩ ሰባት ዒላማ ዝገበረን 76 ሰባት ዝቐተለን መጥቃዕቲ ኣልሸባብ፣ እዚ ናይዚ ሳልስቲ መጥቃዕቲ እቲ ዝበኣሰ ምዃኑ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር የመልክቱ።

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ምስቶም ካብ ኮንጎ ዝተበገሱ ዕጡቓት ምትእስሳር ከይህልዎም ንዝጠርጠሮም፣ ዳይረክተርን ርእሰ መምህርን ናይታ ቤታ ቤት ትምህርቲ ዝርከብዎም ልዕሊ 20 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ኣሎ።

ምስ ዳዒስድ ምትእስሳር ከምዘለዎ ዝግለጽ ብኪዳን ደሞክራስያውያን ሓይልታት ዝጽዋዕ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ካብ ምዕራብ ኡጋንዳ እኳ እንተተበገሰ፣ ካብ 1990ታት ኣትሒዙ ግና፣ ናብ ደሞክራሳዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ኣስፋሕፊሑ፣ ምስ ኡጋንዳ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ሰሜናዊ ኪቩ ደጀኑ ኣቝሙ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0