ኡጋንዳ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

RADIO ERENA – Tuesday, 09 July 2024

ኣብ ኡጋንዳ፡ ከተማ ካምፓላ፡ ከባቢ ካባላጋላ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ ፖሊስ ታ ሃገር፡ ሎሚ ሰሉስ 09 ሓምለ 2024 ሓቢሩ።

እቶም ሴም ፍጹምን ሄኖክ ፎቶን ዝተባህሉ ክልተ ጥርጡራት፡ ኣብ ዞባ ሉኩሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኮይኖም፡ ምስኦም ኣብ ሓደ ዞባ ንዝነብር፡ ተወልደ ሃኒባል ዝተባህለ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት ንዝርከብ ከምኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ሓደ ባር ኣብ ባእሲ ከምዝቐተልዎዮም ተኸሲሶም።

07 ሓምለ፡ ኣብ ጎደና ኪቡሊ ኣብ ዝርከብ ባር፡ መስተ እናሰተዩ ብዘልዓልዎ ባእሲ፡ እቶም ክልተ ኤርትራውያን ጥርጡራት ንመዋቲ ኤርትራዊ መሳድድቶም፡ ብናይ ቢራ ጠርሙዝ ኣብ ርእሱ ከምዝሃረምዎዩ ጸብጻብ ፖሊስ ዘመልክት።

መዋቲ ከቢድ ሓደጋ ምስ ወረዶ፡ እቶም ጥርጡራት ባዕላቶም ንሳምባያ ናብ ዝተባህለ ሆስፒታል እኳ እንተብጽሕዎ፡ ብኡ ንብኡዩ ህይወቱ ሓሊፉ።

እቶም ጥርጡራት፡ ኣብ ከተማ ካምፓላ፡ ካባላጋላ አብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ተቐይዶም፡ መርመራ ይካየደሎም ኣሎ።

ስእሊ፦ ካብ ፖሊስ ኡጋንዳ

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0