ንዝነውሐ ዓመታት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብምዃን ካብ ዝፍለጡ፡ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ፡ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ተመሪጹ

RADIO ERENA – Sunday, 16 February 2025

ኣብ ዓለም፡ ንዝነውሐ ዓመታት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ብምግልጋል ካብ ዝፍለጡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ፡ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ፡ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ተመሪጹ።

ካብ 2005 ኣትሒዙ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ ኮይኑ ዘገልገለ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ፡ ንህቡብ ፖለቲከኛን ተደጋጋሚ እዋን ሕጹይ ፕረዚደንት ኬንያ ኮይኑ ዝቐረበን ራይላ ኦዲንጋ፡ ብናይ ድምሲ ብልጫ መሪሑዩ፡ ሓድሽ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዘሎ።

ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ፡ ስልጣን ኣቦ መንበርነት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካብቲ ነናይ ኣርባተ ዓመታት ክልተ እዋን ዘገልገለ፡ ሙሳ ፋኪዩ ክርከብ።

ዝዓበየ ብድሆታት እዚ ሓድሽ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን፡ ንርዋንዳ፡ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፡ ኡጋንዳን ካልኦት ሃገራት ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ናብ ግጭት ዝሸምም ዘሎ ወትሃደራዊ ገስጋስ ዕጡቓት ተቓወምቲ M23′ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0