RADIO ERENA – Sunday, 16 February 2025
ኣብ ዓለም፡ ንዝነውሐ ዓመታት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ብምግልጋል ካብ ዝፍለጡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ፡ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ፡ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ተመሪጹ።
ካብ 2005 ኣትሒዙ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ ኮይኑ ዘገልገለ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ፡ ንህቡብ ፖለቲከኛን ተደጋጋሚ እዋን ሕጹይ ፕረዚደንት ኬንያ ኮይኑ ዝቐረበን ራይላ ኦዲንጋ፡ ብናይ ድምሲ ብልጫ መሪሑ‘ዩ፡ ሓድሽ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዘሎ።
ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ፡ ስልጣን ኣቦ መንበርነት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካብቲ ነናይ ኣርባተ ዓመታት ክልተ እዋን ዘገልገለ፡ ሙሳ ፋኪ‘ዩ ክርከብ።
ዝዓበየ ብድሆታት እዚ ሓድሽ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን፡ ንርዋንዳ፡ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፡ ኡጋንዳን ካልኦት ሃገራት ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ናብ ግጭት ዝሸምም ዘሎ ወትሃደራዊ ገስጋስ ዕጡቓት ተቓወምቲ M23′ዩ።
==============
COMMENTS