RADIO ERENA – Wednesday, 26 March 2026
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንምርቋሕ ናብ ህዝቢ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብቋንቋ ትግርኛ ዝወጸ ጻውዒት፣ ህሉው ኩነትታ ትግራይ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ዕድመ ግዝያዊ ምምሕዳር ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ከምዝወሰነ‘ዩ ጠቒሱ።
ዕማም ምምራጽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣን ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ጻውዒት፣ ህዝቢ ብዝተማልአ መንገዲ መራሕቱ ክሳብ ዝመርጽ ግን፣ ኣብ ምርቛሕ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክሳተፍ‘ዩ ጸዊዑ።
ህዝቢ፣ ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምርቛሕ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ድማ፣ ብቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተኸፍተ ፍሉይ ናይ ኢመይል መንገዲ‘ዩ።
እንተኾነ፣ ዝበዝሐ ህዝቢ ትግራይ፣ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ዝነብር፣ ተጠቓሚ ኢንተርነት ብዘይምዃኑ፣ እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ቀሪቡ ዘሎ ጻውዒት፣ ንዝበዝሐ ነባሪ ክፋል እታ ክልል ዝጎሰየ‘ዩ ተባሂሉ ይንቐፍ ኣሎ።
ኣብ ርእሲ‘ዚ፣ እቲ ናይ ምርቛሕ ዕድል፣ ክልል፣ ብሄር፣ ቋንቋ፣ ዕድመን ካልእን ዘየነጸረ ምስ ምዃኑ ተኣመንነት ከምዘይህልዎ ብኣግኡ ይግመት።
ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቖመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ እታ ክልል ንዝገጠማ ፖለቲካውን ካልእን ብድሆታት ክፈትሕ ብዘይምኽኣሉ፣ ብተሪር ክነቕፍ‘ዩ ጸኒሑ።
ከም ውጽኢቱ፣ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ምክፍፋል ናይቲ ዓብላል ፖለቲካዊ ውድብ ህወሓት፣ ከም ፕረዚደን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ፣ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ካብ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ወሪዱኒ ብዝበሎ ስግኣት፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሃደመ ‘ዩ ዝጥቐስ።
ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ስልጣን ሃጓፍ ንምምላእ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣቕሪብዎ ስማት ናይ ምርቛሕ ጻውዒት‘ውን ካብ ንናይ ሜድያን ዲፕሎማሲን ሃልኪ ሓሊፉ ዝኾነ ካልእ ዕላማ ከምዘይብሉ ዝተፈላለዩ ወገናት የረድኡ።
===================
COMMENTS