ንክልተ ወተሃደራውያን ወገናት ሱዳን ናብ ስምምዕ ንምብጻሕ ዘተ ተኻይዱ

RADIO ERENA – Friday, 12 July 2024

ንክልተ ወተሃደራውያን ወገናት ሱዳን፣ ናብ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ንምብጻሕ ዝዓለመ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመርሐ ዝርርብ ኣብ ስዊዘርላንድ ጀኔቫ ከም ዝተኻየደ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ዝርርብ ብሸምጋሊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሱዳን ራምታነ ላማምራ ከምዝተጸውዐ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ ካብ ኒውዮርክ ገሊጹ።

ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ ዝተኻየደ ዋዕላ ብወገን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ሓደ ወገን ከም ዝቦኸረ ተገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀነቫ፡ እቶም ወገናት ኣብ ቀጻሊ ኣብ ክንዲ ፊት ንፊት ዝራኸቡ ብመንገዲ ላማምራ ክዘራረቡ ምዃኖም ገሊጹ።

ሓደ ስሙ ክጠቅስ ዘይደለየ ኣባል ፈጣን ሓይልታት ሱዳን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ወኪል ፈጣን ሓይልታት ሱዳን ኣብ ጀነቫ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ሓላፊ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ሰራዊት ፈጣን ሓይልታት ካብ ሲቪላዊ ቦታታትን ኣባይትን እንተዘይወጺኡ ዝኾነ ዝርርብ ከምዘየካይድ ሓቢሩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0