ንካርቱም ምሉእ ብምሉእ ክቖጻጸራ ተቓሪቡ ዘሎ ስራዊት ሱዳን ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ምዃኑ ይገልጽ

RADIO ERENA – Wednesday, 12 February 2025

ንከተማ ካርቱም፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ክቖጻጸራ ምዃኑ ዝገልጽ ዘሎ ሰራዊት ሱዳን፣ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

እቲ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት፣ ነቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዳዕም ሰሪዕ፣ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተቖጻጺርዎ ካብ ዝጸንሐ ከባቢታት ካርቱም ይጸራርጎ ከምዘሎዩ ዝግለጽ።

እቲ ኣብ ማእከል ካርቱም ዝጸንሐ ክፋል ዳዕም ሰሪዕ ድማ፣ ብኹሉ መኣዝን ኣብ ከበባ ኣትዩ፣ ብሰለማዊ መንገዲ ዕጥቁ ብምፍታሕ፣ ሰለማዊ ናብርኡ ክመርሕ ጻውዒት ይካየደሉ ኣሎ።

ሰራዊት ሱዳን፣ ንከተማ ካርቱም ምሉእ ብምሉእ ምስ ተቖጻጸረ ከቑሞ ወጢኑ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ካብ ሲቪላዊ ወገን ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝርቑሓሉዩ ጠቒሱ።

ስእሊ፦ ካብ አርካይቭስ ኢንተርነት

=============================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0