RADIO ERENA – Wednesday, 12 February 2025
ንከተማ ካርቱም፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ክቖጻጸራ ምዃኑ ዝገልጽ ዘሎ ሰራዊት ሱዳን፣ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።
እቲ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት፣ ነቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዳዕም ሰሪዕ፣ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተቖጻጺርዎ ካብ ዝጸንሐ ከባቢታት ካርቱም ይጸራርጎ ከምዘሎ‘ዩ ዝግለጽ።
እቲ ኣብ ማእከል ካርቱም ዝጸንሐ ክፋል ዳዕም ሰሪዕ ድማ፣ ብኹሉ መኣዝን ኣብ ከበባ ኣትዩ፣ ብሰለማዊ መንገዲ ዕጥቁ ብምፍታሕ፣ ሰለማዊ ናብርኡ ክመርሕ ጻውዒት ይካየደሉ ኣሎ።
ሰራዊት ሱዳን፣ ንከተማ ካርቱም ምሉእ ብምሉእ ምስ ተቖጻጸረ ከቑሞ ወጢኑ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ካብ ሲቪላዊ ወገን ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝርቑሓሉ‘ዩ ጠቒሱ።
ስእሊ፦ ካብ አርካይቭስ ኢንተርነት
=============================
COMMENTS