Radio Erena: 23 September 2019
ንኤርትራ ዝገለለ፣ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ናይተን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ይካየድ ኣሎ።
እቲ ሓያሎ መራኽብ ኵናት ዘሳተፈ፣ ቀይሕ ማዕበል ቁጽሪ 2 (Red Waves 2) ዝተሰምየ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ሸውዓተ ሃገራት፣- ስዑዲ ዓረብ፣ ግብጺ፣ ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ የመንን ዮርዳኖስ፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ስዑዲ ዓረብ ንሓያሎ መዓልታት ክካየድ ምዃኑ ብ22 መስከረም ዝወጸ ወትሃደራዊ መግለጺ ስዑዲ ዓረብ ኣመልኪቱ።
ነቲ ልምምድ ዝወደበት ስዑዲ ዓረብ’ያ።
እቲ ኣብ ክሊ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ናይ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ነዘን ሃገራት ኣብ ምውህሃድ ዝተፈላለየ ስርሒታት ጸጥታ ባሕሪ ሓጋዚ ምዃኑ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪ ስዑዲ፣ ኣድሚራል ሳዲቅ ቢን መሓመድ ኣል ሓርቢ ገሊጹ።
ዝነውሐ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትውንን ኤርትራ መሻርኽቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኵናት የመን ክነሳ፣ ካብዚ ኣብ ምጽራግ ናይ ባሕሪ ነታጕ፣ ምክልኻል መራኽብን ካልእን ዘተኮረ ወትሃደራዊ ልምምድ ዝተገለለትሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።
================