ንኣዲስ ኣበባን ወደብ ጂቡቲን ዘራኽብ መንገዲ ባቡር ምሕደርኡ ናብ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ተሰጋጊሩ

RADIO ERENA – Wednesday, 15 May 2024

ንኣዲስ ኣበባን ወደብ ጂቡቲን ከራኽብ ዝተሰርሐ መንገዲ ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ፣ ምሕደርኡ ናብ መንግስታት ኢትዮጵያን ጅቡቲን ተሰጋጊሩ።

ኮርፖሬሽን ህንጻ መንገዲ ባቡር ቻይና ሲ.ኣር.ሲ.ሲ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ምስ መንግስታት ኢትዮጵያን ጅቡቲን ብምትሕብባር ነቲ መንገዲ ባቡር ከመሓድሮ ጸኒሑ።

ብጠቕላላ ልዕሊ 750 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ብሸነኽ ምዕራብ ካብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ዝጅምርን ብምብራቕ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ዝውዳእን መንገዲ ባቡር ኣብ ኣፍሪካ ንፈለማ እዋን ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ፕሮጀክት መንገዲ ባቡር እዩ።

ፈጻሚ ዳይረክተር መንገዲ ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ኣቶ ዓብዲ ዛንባዲ ብቐዳም 11 ግንቦት መፍትሕ ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ካብ ዋና ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ሲ.ኣር.ሲ.ሲ ተቐቢሉ።

ሚኒስትር መጉኣዓዝያ ጅቡቲ፣ ሓሰን ሓማድ እቲ ሓላፍነት ናብ መንግስታት ኢትዮጵያን ጅቡትን ብወግዒ ድሕሪ ምትሕልላፉ ምስ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ልምዓታዊ ሽርክነት ብዝያዳ ከምዝቕጽል ገሊጾም።

እዚ ብቻይናዊ ኩባንያ ተሃኒጹ በቲ ኩባንያ ክመሓደር ዝጸንሐ ንኢትዮጵያን ጅቡትን ዘራኽብ መንገዲ ባቡር ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣትዩ’ሎ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0