RADIO ERENA – Tuesday, 12 November 2024
ሶማልን ኡጋንዳ፣ ኣብ ወትሃደራውያ ጸጥታውን መዳይ ክተሓጋገዛ ስምምዕ ከቲመን።
እዘን ክልተ ሃገራት፣ ነቲ ስምምዕ ዝኸተማ፣ ከመ መቐጸልታ ናይቲ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ዝሓለፈ ቅነ፣ ምስ ፕረዚደንት ሙሰቬኒ፣ ኣብ ካምፓላ ዘካየዶ ርክብ፣ ብሚኒስተር ምክልኻል ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ፣ ብ07 ሕዳር ናብ ኡጋንዳ ኣብ ዝበጽሓሉ‘ዩ።
ሚኒስተር ምክልኻል ሶማል፣ ዓብደልቃድር መሓመድ ኑር፣ ምስ ኡጋንዳዊ መዘንኡ፣ ጃኮብ ማርክሰን ኦቦት ኦቦት፣ ኣብ ካምፓላ ኣብ ዝተራኸብሉ፣ ብዛዕባ‘ቲ ካብ ጥሪ 2025 ኣትሒዙ ብስም ኣረጋጋኢ ሓይሊ፣ ብሓድሽ ቅርጺን ተልእኾን ዝዋፈር ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ተመያይጦም።
ሶማል፣ ካብ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ዝዋፈር ኣረጋጋኢ ሓይሊ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክህሉ ከምዘይትደሊ፣ ብ11 ሕዳር ብወግዒ ኣፍሊጣ‘ላ።
እቲ ናብ ሶማል ዝዋፈር ሓይሊ፣ ካበየኖት ሃገራት ከምዝዋጻእ ዛጊት ኣይተሓበረን። ሰራዊት ኡጋንዳ ካብቶምን ቀዳሞት ከምዝኸውን ግን ርክብ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሓለፍቲ ክልትኤን ሃገራት ንጹር ጌርዎ ኣሎ።
ኣብቲ ርክብ ሓለፍቲ ጠቕላሊ ሓለቃታት ስታፍ ሶማልን ኡጋንዳን ‘ውን ተረኺቦም ‘ዮም።
እዚ ከምዚ‘ሉ እንከሎ፣ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝጀመሮ ወትሃደራዊ ወፍሪ ከምቲ ዝወጠኖ ክዕወተሉ ዘይክኣለ መንግስቲ ሶማል፣ ኣቐዲሙ ካብ መዝነቱ ዝኣለዮ፣ ወዲ 32 ዓመት፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ፣ ጀነራል ዖዳዋ ዮሱፍ ራገ ናብ ቦትኡ መሊስዎ ኣሎ።
መንግስቲ ሶማል ክሳብ ምዝዛም 2024፣ ሶማል ካብ ኣልሸባብ ናጻ ከምእትኸውን‘ዩ ክሕብር ጸኒሑ።
እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ንዝርከብ ኣስታት 24 ሽሕ ዝግመት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን ሰራዊት ኢትዮጵያን ንምትካእ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት ወትሃደራውት የሰልጥን ከምዘሎ ‘ውን ይገልጽ።
=================
COMMENTS