‘ንሶማል ንድግፋ ኣንጻር ኢትዮጵያ ኢልና ኣይኮናን። ምንእቲ ርግኣት ዘልዋ ሃገር ክትከውን’ዩ’

RADIO ERENA – Wednesday, 02 October 2024

‘ንሶማል ንድግፋ ምእንቲ ኢትዮጵያ ኢልና ኣይኮነን። ን30 ዓመታት ዝሰኣነቶ ርግኣት ምእንቲ ክህልዋ ኢና’ ክብል ፕረዚደንት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ነዚ ዝገለጸ፣ ብ29 መስከረም፣ ፖሊስ ኣካዳሚ ግብጺ፣ ሓደሽቲ ኣባላቱ የመርቐሉ ኣብ ዝነበረ ዕለት ኮይኑ፣ ግብጺ ናብ ሶማል ኣጽዋር ተዋፍር ዘላ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝዓለመዩ እናተባህለ ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ እዋንዩ።

ግብጺን ሶማልን ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ድሕሪ ዝኸተመኦ ውዕል ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ፣ ግብጺ፣ ብኣየርን ባሕሪን ናብ ሶማል ኣጽዋር ኣዋፊራ ትርከብ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሶማል፣ ዓብደልቓድር መሓምድ ኑር ብወገኑ፣ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ረብሓታትና ንፈልጥ ኢና። ጸላእታንን ፈተውትናን ድማ ነለሊ። ስለዚ የቐንየልና ግብጺኢሉ።

ምውፋር ኣጽዋር ግብጺ ናብ ሶማል ዘስግኣ ኢትዮጵያ፣ ወትሃደራዊ ንዋት ናብ ኢድ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣልሸባብ ከይወድቕ ክትብል ኣጠንቂቓ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0