RADIO ERENA – Monday, 03 February 2025
ኣብ ኔዘርላንድስ፣ ጓል 11 ዓመት ኤርትራዊት ቆልዓ ብኻራ ተወጊኣ ከምዝተቐትለት ፖሊስ ‘ታ ሃገር ሓቢሩ።
እታ ቆልዓ፣ ኣብ ዞባ ኡልትረኽት ኣብ እትርከብ ከተማ ኑዊኼይን፣ ኣነሞንስትራት ኣብ ዝተባህለ ጎደና‘ያ፡ ብቀዳም ባሕቲ ለካቲት፣ 29 ዓመት ዝዕድሚኡ መንእሰይ ብዃራ ወጊኡ ቀቲሉዋ።
እቲ ቀታሊ፣ ምስታ ቆልዓ ዝምድና ኣለዎ ድዩ የብሉን ዛጊት ኣይተነጸረን።
ነታ ቆልዓ ምስ ቀተለ፣ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ፓርክ ኮፊ ኢሉ እንከሎ ‘ዩ ብፖሊስ ተታሒዙ።
እቲ ስሙን ካልእ መንነቱን ዘይተጠቕሰ ቀታሊ፣ ኣብቲ ዝነብርሉ ከባቢ፣ ብተደጋጋሚ ዘይንቡር ባህርያት ብምርኣዩ፣ ነበርቲ ናብ ፖሊሲ ሰለስተ ክስታት ኣእትዮምሉ ምንባሩ መርበብ ዜና ኔዘርላንድ ታይምስ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።
እታ ቆልዓ ካብ ኤርትራ ምስ ዝተሰዱ ስድርኣ ኣብ ኔረዘርላንድስ ዑቕባ ሓቲቶም ከምዝነብሩ ዝሓበረ እቲ መርበብ ዜና፣ ቅድሚ ምቕታላ ሓደ መዓልቲ፣ ብዓርቢ 31 ጥሪ፣ ዕለተ ልደታ ከምዝጸንበለት ጠቒሱ።
==================
COMMENTS