ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ክሕባእ ዝፈተነ ኤርትራዊ፣ ተረጊጹ ሞይቱ

RADIO ERENA – Tuesday, 20 May 2025

ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር፣ ኣብ ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና ክሕባእ ዝፈተነ ኤርትራዊ፣ ተረጊጹ ከምዝሞተ ፖሊስ ሓቢሩ።

እቲ ኤርትራዊ፣ ዓበይቲ መካይን ኣብ ዝዕሸጋሉ ሰሜናዊ ክፋል ፈረንሳ፣ ማርክ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ናብ ወደብ ካሌ ንምብጻሕ፣ ተሓቢኡ ናብ ሓንቲ ካብተን መካይን ክስቀል ከምዝፈተነዩ ተመልኪቱ።

እንተኾነ፣ ብመኪና ተገጭዩ፣ ህወይቱ ሓሊፉ፣ ብ14 ግንቦት፣ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ፣ ሞይቱ ከምዝተረኽበ ፖሊስ ፈረንሳ ኣረጋጊጹ።

ነቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ገጭያቶ ክትከውን ከምእትኽእል ዝተርጠረት መኪና፣ ብዝተካየደ ምክትታል፣ ካብቲ መዐሸጊ ካብ ዝወጸእትሉ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ተረኺባ። ናይ ቡልጋርያ ዜግነት ዘለዎ መራሒኣ ድማ፣ ንተወሳኺ መርመራ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ይርከብ።

ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ፣ ብናይ ጎማ ጀላቡ ይኹን ኣብ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ተሓቢኦም፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምስጋር ዝፍትኑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ዞባ ካሌ ተኣኻኺቦም ከምዘለዉ ፖሊስ ፈረንሳ ይሕብር።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ ናብ ብሪጣንያ ብጀልባ ክሰግሩ ዝፈተኑ ኣስታት 20 ኤርትራውያን ጥሒሎም ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

ስእሊ፣ካብ ኣርካቭስ ኢንተርነት

===============

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0