ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ሶማል ደብዳብ ኣካይደን

RADIO ERENA – Friday, 14 March 2025

ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ኣብ ሶማል ደብዳብ ኣካይደን።

እቲ ዕጡቓት ኣል ሸባብ ንምህዳን ምዃኑ ዝተገልጸ ደብዳብ፡ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ብምውሃድ ከምዝተኻየደ፡ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር፡ ዓብደልቃድር መሓምድ ኑር ኣፍሊጡ።

መርበብ ዜና ሒራን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ እተን ነፈርቲ ብፍቃድ መንግስቲ ሶማል ክሊ ኣየር ታ ሃገር ብምጥሓስ የን ነቲ ደብዳብ ኣካይደን።

ኣልሸባብ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዋስን ዞባ ሒራን፡ ኣብ እትርከብ ከተማ በለድወይን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሓደ ሆቴል ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፡ ወትሃደራውያን መኮንናት ዝርከብዎም ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩዩ።

ነፈርሪ ውግእ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ድሕሪቲ መጥቃዕቲየን፡ ኣብታ ሓንቲ ካብ ኣውራ ደጀናት ኣልሸባብ ምዃና ዝንገረለ ዞባ ሒራን ደብዲበን።

በቲ ደብዳብ ሓያሎ ዕጡቓት ከምዝተቐትሉ እኳ እንተተጠቕሰ፡ ሓቕነቱ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ፡ ኣብ ሰለማውያን ዝበጽሐ ጉድኣትውን ኣይተፈልጠን።

ሰእሊ፦ ሚ/ምክልኻል ሶማል – ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0