ነፈርቲ እትስከም ዓባይ መርከብ ውግእ እትመርሐን መራኽብ ኵናት ፈረንሳ ኣብ ጂቡቲ ቀንየን

RADIO ERENA – Thursday, 10 April 2025

ሻርል ደ ጎልእተሰምየት፣ ነፈርቲ እትስከም ዓርሞሽሽ መርከብ እትመርሐን ጉጅለ መራኽብ ኵናት ፈረንሳ ኣብ ክሊ ማያት ጂቡቲ ከምዝቐነያ፣ ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈረንሳ ኣፍሊጡ።

እተን መራኽብ ካብ 25 መጋቢት ክሳብ 02 ሚያዝያ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ መልህቐን ኣውሪደን ከምዝቐነየ ዝሓበረ እቲ ሚኒስተሪ፣ እቲ ዕላማ ንዝቕጽል ተልእኾ ቅድሚ ምውፋረን ንሓጺር ዕረፍቲ ምዃኑ ገሊጹ።

መራኽብ ፈረንሳ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ኣዘዝተን ምስ ዝተፈላለዩ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ጂቡቲ ብምርኻብ ከምዝተመያየጡ ተሓቢሩ።

ኣብ ጂቡቲ ኣስታት 1500 ወትሃደራት ዘለዋ ፈረንሳ፣ ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪን ህንዳዊ ውቅያኖስን ንዝካየድ ኣህጉራዊ ምንቅስቓስ ንምጽንባሩውን ዓበይቲ መራኽባ ኣዋፊራ ትርከብ።

ኣብ የመን፣ ኣንጻር ሑቲ መጥቃዕታት እተካይድ ዘላ ኣመሪካ፣ ኣብዚ ክሊ ማይ ነፈርቲ ዝስከማ ክልተ ዓርሞሽሽ መራኽብ ኵናት ዝመርሐን ጉጅለታት መራኽብ ኣዋፊራ ከምዘላ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0