ትግራይ ሓድሽ ኲናት ከይውላዕ ይስጋእ

RADIO ERENA – Friday, 14 March 2025

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ ኣብ ክልተ ዝተገምዑ ህወሓት ክካየድ ዝጸንሐ ምፍሕፋሕ ኣብ ጥርዙ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኲናት ከይውላዕ ተሰጊኡ ኣሎ።

ብዶ/ር ደብረጽዮንን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝምራሕ ወገን፡ ነቲ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ብፈደራላዊ መንግስቲ ዝቖመ፡ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምእላይ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣመሓደርቲ ይሸይም ከምዘሎ ይፍለጥ።

እዚ ስጉምቲ፡ ኣብ መንጎቲ ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝድግፍ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ወሰንቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝርከብዎ ናይ ዶ/ር ደብረጽዮን ወገንን፡ ናብ ጎነጽ ከየምርሕዩ ዝስጋእ ዘሎ።

ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ፡ ኣብ ትግራይ ሓድሽ ውግእ ከይልዓል፡ እቲ ወጥሪ ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍታሕ ኣብ ዝምሕጸነሉ ዘሎ እዋን፡ ብጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ኤርትራ ኣብ ድርኩኺት ኲናት ዝበጽሐት ኢትዮጵያ፡ እንታይ ስጉምቲ ከምእትወስድ ዓቢ ብድሆ ኮይኑዋ ይርከብ።

ወሰንቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝርከብዎ ናይ ዶ/ር ደብረጽዮን ወገን ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ጎነጽ እንተኣትዩ፡ ደገፍ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝህልዎ ዮም ዝተፈላለዩ ወገናት ይትንትኑ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምትካእ ከመሓድር ንዝጅምር ዘሎ ናይ ዶ/ር ደብረጽዮን ወገነ ናይ ባጀትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን እገዳ እንተንቢሩ፡ ኤርትራ ክሳብ ብወደብ ባጽዕ ረዲኤትን ካልእ ቀረባትን ብመንገዲ ዛላምበሳ አዲ ግራት ናብ ትግራይ ክኣቱ ክትፈቅድ ከምእትኽል ትንታነታቶም ዝህቡ ኣለዉ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0