ትግራይ፣ ብሰንኪ ዓጸቦ ናይ ዝሞቱ ዘለዉ ብዝሒ ሰባት ይውስኽ ምህላዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: Thursday, 15 June 2023

ኣብ ትግራይ፣ ንህዝቢ ክዕደል ተጀሚሩ ዝነበረ ረዲኤት ደው ምባሉ፣ ንኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ንሓደጋ ጥሜት ኣቃሊዑ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ክልል ድሮ፣ ብሰንኪ’ቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኵናትን ዝተናውሐ ከበባን፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ፣ ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዑ ተጸባይ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ።

ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ኣብዚ ሽዱሽተ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ረዲኤት ብስሩዕ ክበጻጻሕ ብምጅማሩ፣ ተጸባይ ረዲኤት ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ተስፋ ረኺቡ እኳ እንተነበረ፣ ምስ ምጥፍፋእ ተሓሓዙ፣ ዝዕድል እኽሊን መሰረታዊ መግብታትን ደው ምባሉ ነቲ ሓደጋ ጠቕሊሉ ከወግድ ኣይከኣለን።

ዘ ሪፖርተር ናብቲ ክልል ተዋፊሩ ኣብ ዘካየዶ ጸብጻብ፣ ኣብዘን ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፣ 10ታት ሰባት ብሰንኪ ዓጸቦ ከምዝሞቱ ኣረጋጊጹ።

ካብ መቐለ 40 ኪሎሜተር ንደቡብ ርሒቓ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ሳምረ፣ ብሰንኪ ዓጸቦ 25 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ኣብ ተምቤን፣ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መዕቖቢ ካብ ዝርከቡ ኣሽሓት ተፈናቐልቲ ድማ 19 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ኣመልኪቱ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ረዲኤት ደው ምባሉ፣ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ብድሆታትን ሻቕሎትን ፈጢሩ ከምዘሎ እኳ እንተሓበረ፣ ብዓጸቦ ናይ ዝሞቱ ብዝሒ ሰባት ብዝርዝር ኣየነጸረን።

ቀንዲ ካብ ለገስቲ እቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝልኣኽ ረዲኤት ዝኾነት ኣመሪካ፣ ብሰበ ስልጣን መንግስቲ ፈደራል፣ ክልላትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተጠፋፊኡ ዝተባህለ ኣእካልን መሰረታዊ ነገራትን ምጽራይ ክሳብ ዝግበረሉ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዛ ደው ከተብሎ ከምዝወሰነት ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0