RADIO ERENA – Thursday, 26 September 2024
መንግስቲ ቱርኪ፣ 3 ሽሕ ቶን ህጹጽ ረዲኤት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ሱዳን ከምዝልኣኸ ኣፍሊጡ።
መሰረታዊ መግብታትን፣ ከም ቴንዳን ኮቦርታን ዝኣመሰለ ንግዝያዊ መጽለሊታት ዝሕግዝ ናውትን ዘጠቓለለ ረዲኤት ዝጸዓነት መርከብ፣ ብ23 መስከረም ናብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝኣተወትሉ፣ ኣመሓደርቲ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሱዳን፣ ኣምባሳደር ቱርኪ ኣባታ ሃገርን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ዲፕሎማሰኛታትን ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ጌሮሙላ።
ቱርኪ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ‘ውን ተመሳሳሊ ረዲኤት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ሱዳን ልኢኻ‘ያ።፣ ብዘይካ‘ቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዝፈጠሮ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ኣብዚ ክራማት ዝወረደ ሓያል ዝናብ ዝፈጠሮ ዕልቅልቓት‘ውን ንብዝሁሓት ካብ ቤት ንብረቶም ኣፈናቒሉን ተጸበይቲ ረዴት ከምዝኾኑን ጌሩን‘ዩ።
ኣብ ሱዳን ኣብዚ እዋን‘ዚ ኣስታት 10 ሚልዮን ህዝቢ ተጸበይ ረዲኤት ኮይኑ ምህላዎም ‘ዩ ዝግለጽ።
======================
COMMENTS