RADIO ERENA – Tuesday, 29 October 2024
ቱርኪ፣ ኣብ ክሊ ማይ ሶማል፣ ዳህሳስ ነዳዲ እተካይድ ዓባይ መርከብ ኣዋፊራ።
እታ መርከብ፣ ብሓይሊ ባሕሪ ቱርኪ ተዓጂባ፣ ብ25 ጥቅምቲ፣ ናብ ወደብ ሞቛድሹ ኣብ ዝበጽሓትሉ፣ ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ድሙቕ ወትሃደራዊ ኣቐባብላ ተጌሩላ።
ቱርኪ፣ ነታ ኣብ ኣብ ክሊ ማይ ሶማል፣ ዳህሳስ ነዳዲ እትከያድ መርከብ ዝሕልዋ፣ ብውሕዱ ክልት ፍሪጌት ዝዓይነተን መራኽብ ኵናት ዝዓጠቐ ሓይሊ ባሕሪ ናብ ሶማል ከተዋፍር ምዃና ክግለጽ ጸኒሑ‘ዩ።
ገማግም ባሕራ ካብ ቀርሰንቲን ካልኦት ዕጡቓትን ምሉእ ብምሉእ ከተውሕስ ዘይክኣለት ሶማል፣ ኣብ ዳህሳስን ዕደናን ነዳዲ ንዝዋፈራ ኣህጉራውያን ኩባንያታት ሓለዋን ውሕስነት ጸጥታን ክትህብ ከምዘይትኽእል ይፍለጥ።
ቱርኪ፣ ብዘይካ‘ዚ ኣብ ሓለዋ ዳህሳስ ነዳዲ ዘተኮረ ምውፋር ሓይሊ ባሕሪ፣ ኣብ ሶማል፣ ወትሃደራዊ ስልጠና ዝህብን ካልእ ስርሒታትን ንምክያድ ዝሕግዝን ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣለዋ።
ስእሊ፦ ካብ ቤት መንግስቲ ቪላ ሶማልያ
=====================
COMMENTS