ቱርኪ፣ ኣብ ሶማል ማእከል መወንጨፊ ሮኬታት ክትሃንጽ’ያ

RADIO ERENA – Wednesday, 18 December 2024

ቱርኪ፣ ኣብ ሶማል ማእከል መወንጨፊ ሮኬታት ክትሃንጽ ምዃና ንመግለጺ ፕረዚንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብምጥቃስ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ኣብ ሶማል ዝህነጽ ማእከል መወንጨፊ ሮኪታት፣ ንሶማላውያን ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ክፈጥርን ኣብ ቁጠባ ሶማል ድማ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝህልዎን ዩ እቲ ፕረዚደንት ብ18 ታሕሳስ ሓቢሩ።

ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሳብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝዝርጋሕ ስትራቴጃዊ ኣቓውማ ሶማል፣ ነቲ ማእከል ንምህናጽ ከምዝሓገዘ ዝገለጸ እቲ ፕርዚደንት፣ ህዝቢ ብጻዕቒ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢታት ክወርድ ንዝኽእል ናይ ፍንጫላት ሓጻውንት ጉድኣት ውን ከምዘጉድል ኣረዲኡ።

ኣብ ክሊ ማያት ሶማል፣ ኣብ ዳህስሳን ኩዕታን ነዳዲ ተዋፊራ እትርከብ ቱርኪ፣ ነቲ ዕማም ዘካይዳ ዘለዋ መራኽባ ንምሕላው ብሓይሊ ባሕራ ኣሰንያተን ከምዘላ ይፍለጥ።

ኣቐዲማውን ኣብ ሶማል ወትሃደራዊ መዓስከር ኣቝማ ዘላ ቱርኪ፣ ምስ መንግስቲ ሶማል ኣብ ወትሃደራዊ፣ ጸጥታን ልምዓታውን ምትሕግጋዛት ተወሳኺ ስምምዕ ከቲማ ኣላ።

ምስ ኢትዮጵያ ንዝነበረ ምስሕሓብ ብዘተ ንምፍትሑ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ ፕረዚደንት ቱርኪ፣ ጣይብ ኤርዶዋን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ናብ ሶማልን ኢትዮጵያን ክበጽሕ መዲቡ ምህላዉ ይጠቐስ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽልዋኣ ተስፍሕ ዘላ ቱርኪ፣ ኣብ ሶማል ማእከል መወንጨፊ ሮኬታት ከተቕውም እንተኽኢላ፣ ድሕሪ ውድቀት ኤምበራጦርያዊ ግዝኣት ዑስማናውያን እቲ ዝዓብየ ምምላሳ ናብቲ ዞባ ክኸውንዩ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0