ቱርኪ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ብጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ንዝተፈጥረ ምስሕሓብ ክትሽምግል’ያ

RADIO ERENA – Monday, 02 July 2024

ቱርኪ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ብጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ንምሽምጋል ተበግሶ ከምዝወሰደት ተሓቢሩ።

ማዕከን ዜና ኣል ዓረብያ፣ ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ካብ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰበ ስልጣን ረኺብዎ ብምባል ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ፣ እቲ ናይ ምሽምጋል መስርሕ ድሮ ተጀሚሩ ከምዘሎን እንተኾነ ዘተባብዕ ተስፋ ከምዘየረኣየን ጠቒሳ።

ሶማል፣ ናብ ሽምግልና ክትቐርብ እንተኾይና፣ ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ፡ ንኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ናይ መዘኻኸሪ ሰነድ ብወግዒ ክትስርዞያ ትሓትት።

ኢትዮጵያ፣ ምስ ሶማሊላንድ ኣብ ዝኸተመቶ ናይ መረዳድኢ ሰነድ፣ 20 ኪሎሜተር ገማግም ባሕሪ ብናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ ክራይ ውዕል ክትውን፡ ኣምሳያኡ ድማ ነታ ሉኣላዊት ኣካል ሶማል ዝኾነት ርእሰ ምምሕዳር ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባን ዝብልዩ።

መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ኢትዮጵያ ዝኸተመቶ ሰነድ፣ ሉኣላውነት ሶማል ዝግህስን ዘይሕጋውንዩ ብምባል ክቓወሞ እንከሎ፣ ኣምባሳደሩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስሓብን ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ካብ ሃገሩ ምስጓግን ዝኣመሰለ ስጉምታትዩ ወሲዱ።

ኣብ ርእሲዚ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ፣ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሓቖፉ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ሃገሩ ክወጽኡ ጸዊዑ ኣሎ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ዶባት ብምጥሓስ፣ ናብ ውሽጢ ሉኣላዊ ግዝኣት ሶማል ይኣቱ ዓኣሎ ክብልውን መንግስቲ ሶማል ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣቕሪቡዩ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0