RADIO ERENA – Wednesday, 22 April 2025
ቱርኪ፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከተስፋሕፍሖ ዝወጠነት ፖለቲካዊ ጽልዋ፡ ዲፕሎማሲን መሸጣ ወትሃደራዊ ንዋትን እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ዝተፈላለዩ ትካላት ብዘቕረብዎ መጽናታት መሰረት፡ ቱርኪ ናብ ኣፍሪቃ ከተስፋሕፍሕ ካብ ዝጀመረትሉ ኣብዚ 10ዓመታት፡ ብውሕዱ ኣብ 13 ሃገራት እዛ ኣህጉር ህላዌኣ ከተውሕስ ክኢላ ኣላ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥራይ፡ ኣብ ሶማል፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ጂቡቲን መብዛሕቱ ወትሃደራዊ ምትስሳር ዘለዎ ህላዌ ትውንን።
‘ለ ክሌ ዱ ሞያን ኦሬያን‘ ዝተባህለ መርበብ፡ ብቋንቋ ፈረንሳ ብዘቕረቦ መጽዕቲ መሰረት፡ ኣብ 2020፡ ኣስታት 83 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ዝነበረ መሸጣ ወትሃደራዊ ንዋት ቱርኪ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ 2021 ናብ ልዕሊ460 ሚልዮን ዶላር ዓሪጉ።
ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዓመት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ክፋል እታ ሃገር፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝካየድ ዝነበረ ኲናት ንምግጣም፡ ካብ ቱርኪ ድሮናት ዝሽምተሉ ዝነበረ ግዜ‘ዩ።
ፍርያት ቱርኪ ዝኾና፡ ባይራክያት (Bayraktar TB2) ዝዓይነተን ድሮናት፡ ካብ 2021 ዓመተ ምሕረት ንደሓር ጥራይ ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሶማልን ጂቡቲን ከምዝተሸጣ እቲ መጽናቲ የረጋግጽ።
ከም ሊብያ፡ ቻድ፡ ማሊን ቡርኪና ፋሶን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ ‘ውን ነዘን ድሮናት ዓጢቐንአን ከምዘለዋ ይጥቐስ።
ባይራክያት (Bayraktar TB2)፡ ዋንነቱ ናይ መንግስቲ ብዝኾነ ኢንዱስትሪ መፍረ ወትሃደራዊ ንዋት ቱርኪ ዝፈርያ ድሮናት ኮይነን፡ ብመጠን ዝጓዓዝኦ ርሕቀት፡ ዝዓጥቀኦ ዓይነት ኣጽዋር፡ ዝተገጥመለን ናይ ራዳርን ንስለያ ዘገልግል ናይ ደረቐን ተንቀሳቓሲ ኣሳእል ዘልዕል ካሜራታትን፡ ዋጋታተን ካብ 2 ሚልዮን ክሳብ 5ሚልዮን ዶላር ይግምገም።
ቱርኪ፡ ድሮናት ጥራይ ዘይኮነ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝቐንዐ ዝተፈላለየ ወትሃደራዊ ንዋት ክትቅርብ እንከላ፡ ሶማል ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዓስኪሩ ዘሎ ኣስታት 7000 ሰራዊታን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይዛ ኣህጉር ዝንቀሳቐሱ ልኡኻትን ድማ ወትሃደራውን ፖለቲካውን ፍልስፍና ቱርኪ ኣብ ምስፍሕፋሕ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ይጥቀስ።
==========
COMMENTS