RADIO ERENA – Wednesday, 09 April 2025
ቱርኪን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዘተኮረ ናይ ምምኽካር ኣኼባ ከምዘካየዳ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ሓቢሩ።
ኣብቲ ብሰኑይ 07 ሚያዝያ፣ ኣብ ኣቡ ዳቢ ዝተኻየደ ናይ ምምኽካር ኣኼባ፣ እዘን ክልተ ሃገራት፣ ብፍላይ ኣብ ጉዳያት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓባራ ክሰርሓሉ ዝኽእላ ነጥብታት ተመያይጠን።
ብምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ቡርሃነቲን ዱራን ዝምራሕ ላዕለዋይ ወኪል ቱርኪ፣ ምስቲ ብሚኒስትር ሸኽ ሳክቡት ናህያን ኣልናህያን ዝምራሕ ወኪል ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ክካየድ ዝኽእል ናይ ወፍሪ ዕድላት፣ ኣብ ዞባታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ሳሕለ ሰሓራን ዝካየዱ ጸጥታ ናይ ምርግጋእ ወፍርታትን ካልእን ብሓባር ክሰርሑ ኣብ ዘኽእሎም ጉዳያቶም ዘትዮም።
ጎኒ ጎኒ‘ቲ ንኻልኣይ እዋኑ ዝተኻተደ ናይ ምምኽኻር ኣኼባ፣ ምክትላት ሚኒስተራት ንግዲ ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ መንጎ ቱርኪን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘሎ ንግዳዊ ልውውጥ ናብ 40 ቢልዮ ዶላር ንምዕባዩ ስምምዕ ከቲሞም።
ቀዳማይ ናይ ምምኽካር ኣኼባ እዘን ሃገራት ኣብ ጥቅምቲ 2023 ኣብ ቱርኪ ከምዝተኻየደ ይዝከር።
ኣብቲ እዋን‘ዚ ብዝያዳ ዝተመያየጥሉ ነጥብታት፣ ጉዳይ ሶማል፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከምዝነበረ ዲፕሎማሰኛታት የመልክቱ።
===============
COMMENTS