ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ናይ ህወሓት ወገን፣ ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብ መዝነት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከምዝኣለዮ ኣፍሊጡ

RADIO ERENA – Monday, 07 October 2024

ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ናይ ህወሓት ወገን፣ ንኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ካብ መዝነት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከምዝኣለዮ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ህወሓት ወገን፣ ብ07 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ንካልኦት ሓሙሽተ ኣባላት ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ክልተ ኣመሓደርቲ ዞባታት ውን ካብ መዝነቶም ከምዘሰናበቶም ዩ ጠቒሱ።

ሓድሽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንምሻም ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ምዝርራብ ከምዘለዉ ዝገለጸ እቲ መግለጺ፣ ዝርዝር ኣስማት ኣባላት ካቢኔውን ከምዝረቝሐ ጠቒሱ።

እዚ ናይ ዶ/ር ደብረጽዮን ወገን ህወሓት ኣቐዲሙውን፣ ጌታቸው ረዳ ንዝርከቦም 16 ኣባላት መሪሕነት፣ ካብ ኣባልነት ህወሓት ከምዝሰጎጎም ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ኣብ መንጎ ክልተ ደምበታት ህወሓት ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምክፍፋል ናብ ዝልዓለ ወጥሪ እናዛይውደ ይመጽእ ብምህላዉ፣ ነታ ኣብ ከቢድ በሰላ ኵናት እትርከብ ክልል ትግራይ ናብ ዝበኣሰን ዝተሓላለኸን ሽግር ከየድቓ ይስጋእ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ካብ ጥቅምቲ 2018 ኣትሒዛ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኮይና ዝጸንሐት፣ ወ/ሮ ሳህለወርቅ ዘውዴ ካብ ስልጣና ተኣልያ።

ኣብ ክንድኣ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ፣ ኣቶ ታየ ኣጽቀስላሴ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኮይኑ ተሸይሙ ምህላዉ መንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0