ብደረጃ ዓለም፣ ልዕሊ 100 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ተመዛቢሉ ይነብር ከምዘሎ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR ኣፍሊጡ

Radio Erena: Wednesday 21 June 2023

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ብምኽንያት 20 ሰነ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፣ ብዝሒ ካብ መነበባርኡ ናይ ዝተመዛበለ ህዝቢ ምስ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ ብ20%’ዩ ዛይዱ።

ካብዚ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ዝተመዛበለ ይኹን ዶባት ሰጊሩ ኣብ ጎረባብትን ካልኦት ሃገራትን ዑቕባ ዝሓተተ ጠቕላላ ብዝሒ፣ እተን ኣስታት ፍርቂ ወይ 50% ደቂንስትዮ’የን።

እቲ ኣስታት 26 ሚልዮን ህዝቢ፣ ካብ ገዛእ ሃገሩ ተፈናቒሉ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዑቕባ ዝሓተተ ምዃኑ ጸብጻብ UNHCR የነጽር።

ናይ ሎሚ ዓመት ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት፣ ‘ካብ ቤት ዝርሓቐ ተስፋ’ ብዝብል ቴማ’ዩ ዝዝከር ዘሎ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0