RADIO ERENA – Monday, 10 March 2025
ኢትዮጵያ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን ብዝብል እተካይዶ ዘላ ጽዑቕ ፖለቲካዊ ዘመተን ወትሃደራዊ መናውራታትን፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከቢድ ናይ ኵናት ስግኣት ከምዘጸላሉ ጌራ ትርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ሶማል፣ ኣብዚ እዋን‘ዚ ድማ ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ዝመስል፣ ብኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዘመተን ወትሃደራዊ መናውራታትን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ገጢምዎ ንዘሎ ብድሆታት፣ ናብ ደገ ንምጥምዛዙ ዝግበር ዘሎ ስልቲ ምዃኑ‘ውን ይትንተን‘ዩ።
እንተኾነ፣ እዚ ብወገን ኢትዮጵያ፣ ወነንቲ ኣፍደገ ባሕሪ ክንከውን ኢና እናተባህለ፣ ዕለታዊ ዝዝርጋሕ ዘሎ መግለጺታትን ዘመተን፣ ነዚ ድሮ ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ዝርከብ ዞባ ብዝበኣሰ ክሕምሶ ከምዝኽእል ርዱእ‘ዩ።
ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሞ፣ ቤኒሻንጉል ጉምዝን ካልእ ክፋል እታ ሃገርን ዝተወልዐ ኵናት፣ ገሊኡ ምሉእ ብምሉእ ከይዓረፈን ገሊኡ ድማ ይቕጽል እናሃለወን፣ ኢትዮጵያ ብምስምስ ኣፍደገ ባሕሪ ክንውንን ኢና እተካይዶ ዘላ ዘመተ፣ ሓደገኛ ሳዕቤን ከምዝህልዎ፣ ብዝተፈላለዩ ወገናት፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝወሃብ ዘሎ ትንተናታት ‘ውን የረድእ።
ኣብ ኤርትራ፣ ብወግዒ ዝተኣወጀ ናይ ክተት ጻውዒት እኳ እንተዘየለ፣ ኣቐዲሞም ዝጸንሑ፣ ከም ምኽልካል መውጽኢ ቪዛ ዋላ‘ውን ንዝተመርዓዋን ንዝወለዳን ደቂንስትዮን ዝኣመሰሉ መምርሒታት፣ ንብዙሓት ኵናት ምስ ኢትዮጵያ ኣይተርፍን‘ዩ ዝብል ሻቕሎት ኣሕዲርሎም ኣሎ።
ብወገን ኢትዮጵያ‘ውን እንተኾነ፣ ብወግዒ ዝተኣወጀ ነገር እኳ እንተዘየለ፣ ወነንቲ ባሕሪ ክንከውንን ኢና እንተባህለ ዝካየድ ዘሎ ዘመተን ወትሃደራዊ መናውራታትን ግና ከም ምቱኽታኽ ንኹናት ‘ዩ ዝርአ ዘሎ።
ነዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፣ ወግዓዊ ምጥያሰ ሰራዊት ዘየካየደትን፣ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝጽንበር እምበር ብወግዒ ዝፋኖ ኣብ ዘይብላን ኤርትራ፣ ሰራዊት ካብን ናብን ምንቅስቃስ ልሙድ ተርእዮ እኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ እዋን‘ዚ ናብ ሰሜናዊ ቅይሕ ባሕሪ፣ ብፍላይ ከባቢ ዓሰብ ዝወርዳ ዘለዋ ኣሃዱታት ምስዚ ምስ ኢትዮጵያ ዝፍራሕ ዘሎ ኵናት ዘተሓሕዝዎ‘ውን ብዙሓት‘ዮም።
ብ08 መጋቢት ኣብ ኣስመራ፣ ኣብ ኤክስፖ፣ ብምኽንያት መዓልቲ ደቂንስትዮ ዝተኻየደ፣ ካብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ኣስመራ፣ ሚኒስትርታትን ካልእን ኣብያተ ጽሕፈትን ዝተወከሉ ዕዱማት ዝተሳተፍዎ፣ ኣኼባ‘ውን መንፈሱ፣ ‘ኢትዮጵያ ብውገን ዓሰብ ክትወረና‘ ኣላ ናብ ዝብል ዛዝዩ ምንባሩ ‘ዩ ተሓቢሩ።
መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ 2018፣ ንህወሓት ንምጥቃዕ ዝኸተምዎ ስልታዊ ስምምዕ ሰላም፣ እናዛሕለተ ካብ ዝመጽእ ካልኣይ ዓመቱ ኣሕሊፉ እኳ እንተሎ፣ ዝምድንኦም ከምዝበተኹ ክልቲኦም መንግስታት ብወግዒ ኣይሓበሩን።
ክልቲኦም መግስታት፣ ብዝውንንዎ ኤድያታት ከም ጉጥያ ዝኣመሰለ መግለጺታት ከውጽኡ እንከለዉ፣ ብደገፍቶም ኣብ ዝመሓደራ ዩቱባትን ካልእ ማሕበራዊ ሜድያታትን ግና ንኩናት ኣብ ዝጽሕትር ጸርፊን ካልእ ዘመተታትን‘ዮም ተጸሚዶም ይርከቡ።
=====================
COMMENTS