ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን፣ ነቶም ኣብ እዋን ህዝባዊ ናዕቢ 2019 ዝተቐትሉ ፍትሒ ንምጽዋዕ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም

Radio Erena: 06 June 2021

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን፣ ነቶም ኣብ እዋን ህዝባዊ ናዕቢ 2019 ዝተቐትሉ ፍትሒ ንምጽዋዕ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ካብ ሰራዊት ብዝተተኮሰሎም ጠያይት ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።

መሰጋገሪ ቆንስል ሱዳን፣ ነቲ ፍጻሜ ብምርምርማር ንገበነኛታት ናብ ሕጊ ከቕርብ ቃል ኣትዩ ክነሱ፣ ክልተ ዓመት ሓሊፉ ዝኾነ ጸብጻብ ኣየቕረበን ብምባል እዮም እቶም ሰልፈኛታት ዝኸሱ።

እዚ ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈታት ካቢነ ሚኒስተራትን ኣኽባር ሕጊን ኣፍደገ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ህዝቢ ‘ፍትሒ ንግዳያት’ ዝብል ጭርሖታት ኣስሚዑ።

ንፕረዚደንት ነበር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ንምዕላው ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ከበድቲ ገበናት ፈጺሙ ዝበሃል እቲ ብጃንጃዊድ ዝፍለጥ ዝነበረ ዕጡቕ ሓይሊ ቀንዲ ተሓታቲ ምዃኑ ህዝቢ ብዓውታ ይገልጽ።

መራሒ’ቲ ዕጡቕ ሓይሊ ዝነበረ፣ ናይ ሕጂ ኣባል መሰጋገሪ መንግስቲ፣ መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኢና ደው ኢልና ኔርና፣ እዚ ዝግበር ዘሎ ጸለመ፣ ብፖለቲከኛታት ዝዝወር ዘሎ’ዩ’ ክብል ነቲ ክሲ ነጺጉዎ።

ምስ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ስምምዕ ሰላም ዘይፈረሙ ተቓወምቲ ውድባት ብወገኖም፣ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተረኺቦም፣ ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ጸዊዖም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0